ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 17 ገጽ 28-29
  • ምስ ዓርክኻ ዘሎካ ርክብ ቐጻሊ ንክኸውን፡ ንስኻውን ዓርኪ ኽትከውን ኣሎካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ዓርክኻ ዘሎካ ርክብ ቐጻሊ ንክኸውን፡ ንስኻውን ዓርኪ ኽትከውን ኣሎካ
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ኣብ ሑጻ ዲኻ እትሃንጽ ዘለኻ ወይስ ኣብ ከውሒ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ፍቕሪ ንኣምላኽ”
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • “ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 17 ገጽ 28-29

ትምህርቲ 17

ምስ ዓርክኻ ዘሎካ ርክብ ቐጻሊ ንክኸውን: ንስኻውን ዓርኪ ኽትከውን ኣሎካ

ዕርክነት ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ምስ እትመሃር: ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ ዝያዳ ይዓቢ። ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ እናዓበየ ምስ ዝኸይድ ድማ ንኸተገልግሎ ዘሎካ ድሌት ይዓቢ። እዚ ኸኣ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ንኽትከውን ክድርኸካ እዩ። (ማቴዎስ 28:19) ምስቶም ሕጕሳት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምሕባር ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ንዘለኣለም ክቕጽል ይኽእል። ብወገንካ ግን እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

ንሕግታት ኣምላኽ ብምእዛዝ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ ኸተርኢ ኣሎካ። “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:3

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። የሱስ ነዚ ኸብርሃልና ዝኽእል ዛንታ ነጊሩ ኣሎ። ሓደ ለባም ሰብኣይ ቤቱ ኣብ ከውሒ ሰረተ። ሓደ ዓሻ ሰብኣይ ድማ ቤቱ ኣብ ሑጻ ሰረተ። ብርቱዕ ንፋስን ዝናምን ምስ መጸ: እታ ኣብ ከውሒ እተሰረተት ቤት ኣይወደቐትን: እታ ኣብ ሑጻ እተሰረተት ቤት ግና ዓብዪ ኣወዳድቓ ወደቐት። የሱስ እቶም ንትምህርትታቱ ሰሚዖም ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ሰባት ነቲ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰረተ ለባም ሰብኣይ ከም ዝመስሉ ተዛረበ። እቶም ንትምህርትታቱ ሰሚዖም ኣብ ግብሪ ዘየውዕልዎ ሰባት ግና ነቲ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰረተ ዓሻ ሰብኣይ እዮም ዝመስሉ። ንስኻኸ ነየናይ ሰብኣይ ኢኻ ኽትመስል እትደሊ፧—ማቴዎስ 7:24-27

ኣብ ከውሒ እተሰረተት ቤትን ኣብ ሑጻ እተሰረተት ቤትን

ህይወትካ ምውፋይ። እዚ ናብ የሆዋ ብጸሎት ቀሪብካ ንዘለኣለም ፍቓዱ ኽትገብር ከም እትደሊ ምንጋሩ ማለት እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር: ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ከም ዝዀንካ ዘርኢ እዩ።—ማቴዎስ 11:29

ሓንቲ ሰበይቲ ብጸሎት ኣቢላ ህይወታ ንየሆዋ ትውፊ

ጥምቀት። “ተንሲእካ ተጠመቕ: ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ።”—ግብሪ ሃዋርያት 22:16

ሓደ ሰብኣይ ይጥመቕ

ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል። “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ።”—ቈሎሴ 3:23

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ