ምዕራፍ 27
27 ሓቀኛ ምዃን ብሓቂዶ ረብሓ ኣለዎ ኢዩ፧
ክትሕሱ ተፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ዶናልድ ነቲ ኣቑሑ ትሕቲ ዓራቱ ሸዃዂዕዎ ኽነሱ: ነዲኡ ግን መደቀሲኡ ከም ዘለዓዓለ ነገራ። ሪቻርድ እውን ከምኡ ዓይኒ ወለዱ ከንቍር ፈቲኑ ኢዩ። ሕማቕ ነጥቢ ዘምጽአ ስለ ዘየጽንዐ ዘይኰነስ ‘ምስ መምህሩ ስለ ዘይተሰማምዐ’ ምዃኑ ነገሮም።
ወለድን ካልኦት ዓበይቲ ሰባትን ነዚ ምኽንያታት እዚ ይርድእዎ ኢዮም። እዚ ግን ንብዙሓት መንእሰያት እንተወሓደ ክሕስዉ: ሓቂ ዘይኰነ ኽዛረቡ: ረብሓ ዝርከቦ ዀይኑ ክረኣዮም ከሎ ኸኣ ክሰርቁ ካብ ምፍታን ኣይዓገቶምን። ቀዳማይ ነገር: ወለዲ ንበደል ስቕ ኢሎም ኣይሓልፍዎን ኢዮም። ካብቲ ገዛ ክትኣትወሉ ዝነበረካ ግዜ ክልተ ሰዓት ደንጒዃ ምስ እትኣቱ: ሓቂ ብምዝራብ ከይተፈለጠካ ሰዓት ከም ዝኸደ ምንጋር ዘሕፍር ዀይኑ ስለ ዝስምዓካ ኣብ መገዲ ብርቱዕ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ እሞ ከም እተደናጐኻ ገይርካ ምቕራብ ይቐለካ ይኸውን።
ቤት ትምህርቲ እውን ሓቀኛ ኣብ ምዃን ካልእ ብድሆ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ ተማሃሮ ዕዮ ገዛ ይበዝሖም ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ትምህርቲ ብርቱዕ ውድድር ኢዩ ዘሎ። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ካብቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ተማሃሮ ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ይቐድሑ ኢዮም። ሓሶት መምለጢ: ምቕዳሕ ድማ ዝቐለለ መፍትሒ መሲሉ እኳ እንተ ተራእየ ምድንጋር ብሓቂዶ ረብሓ ኣለዎ ኢዩ፧
ሓሶት ረብሓ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧
ካብ መቕጻዕቲ ንኸተምልጥ ኢልካ ምሕሳው ንሽዓኣ ረብሓ ዘለዎ መሲሉ ይርአ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “እቲ ሓሶት ዜውስእ . . . ኣየምልጥን” ብምባል ኢዩ ዘጠንቅቕ። (ምሳሌ 19:5) እቲ ሓሶት ንኽፍለጥ: ብእኡ መጠን ድማ መቕጻዕቲ ንኽትቅበል ዘሎ ኣጋጣሚ ገፊሕኢዩ። ድሕርዚ ወለድኻ በቲ ዝገበርካዮ በደል ጥራይ ዘይኰነስ ስለ ዝሓሰኻ እውን ከይተረፈ ክሓርቁ ኢዮም!
ኣብ ቤት ትምህርቲ ምቕዳሕከ፧ ሓደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዳይረክተር ፍርዳዊ ፕሮግራማት ኰይኑ ዝሰርሕ ከምዚ በለ:- “ኣካዳምያዊ ምድልሃቕ ዝፍጽም ዝዀነ ይኹን ተማሃራይ: ኣብ መጻኢ ትምህርቱ ይኹን ዝረኽቦ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ሕማቕ ነገራት ከም ዘስዕበሉ ፍሉጥ ኢዩ።”
ሓቂ ኢዩ: ብዙሓት ከይተቐጽዑ ዘምልጡ ኢዮም ዝመስሉ። ምቕዳሕ መሕለፊ ነጥቢ ንኽትረክብ ክሕግዝ ዝኽእል እኳ እንተዀነ ጸኒሑ ግን እንታይ ጕድኣት ኢዩ ዘስዕብ፧ ምሕንባስ ኣብ እትማሃረሉ እዋን ኣታሊልካ ክትሓልፍ ምፍታን ብሓቂ ዕሽነት ምዃኑ ከም እትሰማምዓሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ቀዳማይ ነገር ኵሉ ሰብ ኣብቲ ማይ ኣትዩ ክዘናጋዕ ኸሎ መን ኢዩ እሞ ኣብ ደንደስ ኮፍ ኢሉ ምርኣይ ባህ ዝብሎ! ኣብቲ ማይ ደፊኦም ምስ ዘእትዉኻ ድማ ኣታሊልካ ሓሊፍካ ስለ ዝነበርካ ክትጥሕል ትኽእል ኢኻ!
ኣብ ናይ ቍጽሪ ወይ ንባብ ትምህርቲ ምቕዳሕከ፧ እቲ ሳዕቤን ብኡንብኡ ዝርአ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: መሰረታዊ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ እንተድኣ ዘይቀሲምካ ኣብቲ ናይ ስራሕ ዓለም “ጠለብ ኣይትረክብን” ትኸውን! ብምቕዳሕ ዝረኸብካዮ ዲፕሎማ ድማ ብዙሕ ከናብረካ ኣይክእልን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ብሓሳዊት መልሓስ እተአከበ መዝገብ በኒኑ ይጠፍእ” ኢዩ ዝብል። (ምሳሌ 21:6) ብሓሶት እትረኽቦ ዝዀነ ይኹን ረብሓ ከም ሃፋ ቀልጢፉ በኒኑ ዝጠፍእ ኢዩ። ብምትላል እናቐዳሕካ ትምህርቲ ካብ እትውድእ: ብግቡእ ምጽናዕ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን ኢዩ! ምሳሌ 21:5 “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ” ትብል።
ሓሶትን ሕልናኻን
ሓንቲ ሚሸል እትበሃል ጓል: ነታ ንጌጽ ዝጥቀሙላ ኣቕሓ ዝሰበራ ሓዋ ምዃኑ ሓስያ ተዛረበት። ደሓር ግን ከም ዝሓሰወት ንወለዳ ክትነግሮም ከም ዘለዋ ተሰምዓ። “ንነዊሕ እዋን ሕማቕ ተሰሚዑኒ ኢዩ” ትብል። ቀጺላ ድማ “ወለደይ ይኣምኑኒ ስለ ዝነበሩ አሕፊረዮም ኢየ” በለት። እዚውን ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ሰባት ሕልና ከም ዘቐመጠ ዘርኢ ኢዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ንሚሸል ሕልንኣ ኣሳቐያ።
ሓደ ሰብ ንሕልንኡ ዕሽሽ ክብሎ ከም ዝኽእል ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን ሓሶት ክደጋገም ከሎ ሕልንኡ ድማ ንኽፍኣት እናደንዘዘ ይኸይድ። ‘ሕልንኡ ብመዓለም ከም እተዓለመ’ ይኸውን። (1 ጢሞቴዎስ 4:2) ሕልና ዘይብልካ ክትከውን ትደሊዶ ኢኻ፧
ኣምላኽ ብዛዕባ ሓሶት ዘለዎ ኣረኣእያ
“ሓሳዊት መልሓስ” ሓንቲ ኻብተን “እግዚኣብሄር ዚጸልኤን” ነገራት ኢያ ነይራ: ሕጂ እውን ኢያ። (ምሳሌ 6:16, 17) ደሓር ድማ ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:44) ኣብ ርእሲ እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ሓሶትን ጻዕዳ ሓሶትን እናበለ ኣይፈላልን ኢዩ። ‘ኵሉ ሓሶት ካብ ሓቂ ኣይኰነን።’—1 ዮሃንስ 2:21
ስለዚ እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ዓርኪ ኣምላኽ ክኸውን ዝደሊ ሰብ ሓቀኛ ዀይኑ ኽመላለስ ኣለዎ። መዝሙር መበል 15 ከምዚ ኢላ ትሓትት:- “ዎ እግዚኣብሄር: ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧” (ቍጽሪ 1) ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ ኣርባዕተ ቝጽርታት ንእተዋህበ መልሲ እስከ ንመርምሮ:-
“እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን።” (ቍጽሪ 2) ሓደ ካብ ድንኳናት ዝሰርቕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝቐድሕ ሰብ ከምዚ ክበሃለሉ ይከኣል ድዩ፧ ንወለዱ ሓሶት ዝዛረብ ወይ ዘይኰኖ መሲሉ ኽርአ ንዝደሊ ሰብከ፧ ኣይፋሉን! ስለዚ ፈታዊ ኣምላኽ ክትከውን እንተድኣ ደሊኻ: ብተግባርካ ጥራይ ዘይኰነስ ብልብኻ እውን ከይተረፈ ሓቀኛ ኽትከውን ኣሎካ።
“ብልሳኑ ዘይሐሚ: ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ: ንብጻዩ ዘይጸርፎ።” (ቍጽሪ 3) ሕያዎት ምስ ዘይኰኑ: ንኻልኦት ምስ ዝጻረፉ ጕጅለ መንእሰያት ትሓብርዶ ኢኻ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባታት ምክፋል ንኽትኣቢ ሓይሊ ኣጥሪ!
“እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ: ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም: ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ: ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ።” (ቍጽሪ 4) ምስቶም ዝሕስዉ: ዝቐድሑ: ወይ ብዝፈጸምዎ ርኽሰት ዝንየቱ መንእሰያት ኣይትተዓራረኽ፣ ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ኢዮም ዝጽበዩኻ። ሓደ ቦቢ እተባህለ መንእሰይ ከምዚ በለ:- “ምሳኻ ዀይኑ ዝሕሱ ዓርኪ ዳሕራይ ኣብ ሽግር ኢዩ ዘውድቐካ። ክትውከሎ እትኽእል ዓይነት ዓርኪ ኣይኰነን።” እቶም ንመለክዒታት ሓቅነት ዘኽብሩ ሰባት የዕሩኽ ክዀኑኻ ምረጽ።—ምስ መዝሙር 26:4 ኣረኣእዮ።
የሆዋ ነቶም ቃሎም ዝሕልዉ ከም ዘማስወሎም ወይ ከም “ዜኽብሮም” ኣስተብሂልካዶ፧ ምናልባት ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ኣብ ገዛ ዝግበር ዕዮ ንስድራኻ ከም እትሕግዞም ቃል ኣቲኻ ንበል: ዳሕራይ ግን ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኵዕሶ ክትጻወት ተዓዲምካ። ነቲ ዝኣተኻዮ ቓል ኣቕሊልካ ብምርኣይ ወለድኻ ነቲ ዕዮ ክዓምዎ ብምሕዳግ ምስ የዕሩኽትኻ ምኸድካዶ ወይስ ቃልካ ምሓለኻ፧
“ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ: ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል: እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ።” (ቍጽሪ 5) ከም እትቐድሕን እተደላህቕን ዝገብር ቀንዲ ምኽንያት ስስዐ ምዃኑ ኣይትሰማምዓሉንዶ ኢኻ፧ ተማሃሮ ኣብ ፈተና ዝቐድሑ ዘይጸዓርሉ ነጥቢ ንምርካብ ስለ ዝስስዑ ኢዩ። ጉቦ ዝቕበሉ ሰባት ካብ ፍትሒ ንላዕሊ ገንዘብ ኢዮም ዘፍቅሩ።
ገሊኦም: ፖለቲካውያን መራሕትን ፍሉጣት ነጋዶን ንኽጥዕሞም ነቲ ቅኑዕ ስርዓታት ከም ዝጠውዩ ይጠቕሱ ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝረኽብዎ ኣሳልጦ ግን ክሳዕ ክንደይ ውሕስነት ዘለዎ ኢዩ፧ መዝሙር 37:2 ከምዚ ኢላ ትምልስ:- “ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ: ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም።” ተቓሊዖም ኣብ ቅድሚ ኻልኦት እንተ ዘይተዋረዱ እኳ ካብ ፍርዲ የሆዋ ግን ኣይከምልጡን ኢዮም። ፈተውቲ ኣምላኽ ግን ፈጺሞም ‘ኣይናወጹን’ ኢዮም። ዘለኣለማዊ መጻኢኦም እተረጋገጸ ኢዩ።
“ሰናይ ሕሊና” ምጥራይ
እዝስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሓሶት ንኽትቍጠብ ድልዱል ምኽንያትዶ ኸይኰነ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብጾቱን “ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና: ተረዲእናዮ አሎና” በለ። (እብራውያን 13:18) ሕልናኻ ንሓሶት ብኡንብኡዶ ይነጽጎ ኢዩ፧ እንተዘይኰይኑ: መጽሓፍ ቅዱስን ከም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብምንባብ ኣለማምዶ።
እቲ ቦቢ ዝስሙ መንእሰይ ከምዚ ብምግባሩ ጽቡቕ ፍረ ረኺቡ ኢዩ። ንግድላት ብሓሶት ገይሩ ክሸፋፍኖ ከም ዘይብሉ ተማህረ። ንወለዱ ክነግሮምን ብቕንዕና ብዛዕባ እቲ ነገር ክዘራረብን ሕልንኡ ደረኾ። ሓድሓደ ግዜ ብወለዱ ይቕጻዕ ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓቀኛ ብምዃኑ ‘ብውሽጡ ጽቡቕ ከም ዝስምዖ’ ኢዩ ተዛሪቡ።
ሓቂ ምዝራብ ኵሉ ግዜ ቀሊል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ሓቂ ንምዝራብ ቈራጽነት ዝገበረ ሰብ ግን ጽቡቕ ሕልና ይህልዎ: ምስ ናይ ሓቂ የዕሩኽቱ ጽቡቕ ርክብ ይምስርት: ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ድንኳን ኣምላኽ ‘ክሓድር’ መሰል ይረክብ! ስለዚ እምበኣር ሓቀኛ ምዃን ዘርብሕ ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ: ኵሎም ክርስትያናት ክስዕብዎ ዘለዎም ቅኑዕ መምርሒ ኢዩ።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 27
◻ ንኽትሕሱ ፈታኒ ክኸውን ዝኽእል ገለ ዅነታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ክትሕሱ ወይ ክትቀድሕ ረብሓ ዘይህልዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብብሕትኻ ብእተዓዘብካዮ ወይ እተመኰርካዮ ኣብነት ገይርካዶ ከተብርሆ ምኸኣልካ፧
◻ ሓደ ዝሕሱ ሰብ ንሕልንኡ ዘበላሽዎ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ መዝሙር መበል 15 ኣንብብ። እቲ ቝጽርታት ምስ ሓቀኛ ምዃን ዝተሓሓዝ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ሓደ መንእሰይ ሓቀኛ ሕልና ከጥሪ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
[Blurb on page 212 (not 213 as English says)]
‘ኣካዳምያዊ ምድልሃቕ ዝፍጽም ዝዀነ ይኹን ተማሃራይ: ኣብ ናይ መጻኢ ኣጋጣሚታቱ ሕማቕ ነገራት ከም ዘስዕበሉ ፍሉጥ ኢዩ’
[Blurb on page 216]
መጽሓፍ ቅዱስ ሓሶትን ጻዕዳ ሓሶትን እናበለ ኣይፈላልን ኢዩ
[Picture on page 214]
ወለዲ ዝበዝሕ ግዜ ነቲ ውሉዳቶም ዘቕርብዎ ዕባራ ምኽንያታት ይርድእዎ ኢዮም