ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 75
  • ኣርባዕተ መንእሰያት ኣብ ባቢሎን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣርባዕተ መንእሰያት ኣብ ባቢሎን
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ እተኣዘዙ ኣርባዕተ መንእሰያት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ከይረክስ ብልቡ ቘረጸ”
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
  • ተፈቲኖም ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ተረኽቡ!
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • እምነቶም ከቢድ ፈተና ኣሕሊፋ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 75

ዛንታ 75

ኣርባዕተ መንእሰያት ኣብ ባቢሎን

ንጉስ ነቡካድነጻር ነቶም ምሁራት ዘበሉ እስራኤላውያን ናብ ባቢሎን ወሰዶም። ድሕርዚ እቲ ንጉስ ካብ መንጎኦም ነቶም ምልኩዓትን በላሕትን ዝዀኑ ሰባት መረጸ። ኣርባዕተ ካብኦም ከኣ እዞም ኣብዚ ትርእዮም ዘሎኻ ኣወዳት ኢዮም። እቲ ሓደ ዳንኤል ኢዩ: እቶም ካልኦት ሰለስተ ኸኣ እቶም ባቢሎናውያን ሲድራቅ ሚሳቅ ዓብድ⁠-​ኔጎ ኢሎም ዝጸውዕዎም ኢዮም።

ነቡካድነጻር ነዞም መንእሰያት ክምህሮም እሞ ኣብ ቤተ መንግስቱ ከገልግሉ ደለዮም። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ኸኣ ካብኣቶም ኣዝዩ በሊሕ ዝዀነ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ክሕግዞ ንሓደ ክመርጽ ኢዩ። እቲ ንጉስ እቶም ኣወዳት ክማሃሩ ኸለዉ ብርቱዓትን ምሉእ ጥዕና ዘለዎምን ክዀኑ ይደሊ ነበረ። ስለዚ እቲ ንጉስ ንዅላቶም ከምቲ ንሱን ስድራቤቱን ዝበልዕዎ ስቡሕ መግብን ወይንን ክህብዎም ንግዙኣቱ ኣዘዘ።

ንመንእሰይ ዳንኤል እሞ ርኣዮ። ዳንኤል ንኣሽፈናዝ እቲ ናይ ነቡካድነጻር ሓለቓ ስሉባት እንታይ ይብሎ ከም ዘሎ ትፈልጥዶ፧ ዳንኤል ካብቲ ናይ ንጉስ መኣዲ ዝመጸ ስቡሕ መግቢ ክበልዕ ከም ዘይደሊ ኢዩ ዝነግሮ ዘሎ። ኣሽፈናዝ ግን ተሻቐለ። ‘እትበልዕዎን እትሰትይዎን እቲ ንጉስ ወሲንዎ ኢዩ። ካብቶም ካልኦት መሳትኹም ዝዓበርኩም ኴንኩም እንተድኣ ተራኢኹም ከኣ ክቐትለኒ ይኽእል ኢዩ’ በለ።

ስለዚ ዳንኤል ናብቲ ኣሽፈናዝ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን ዝሸሞ መጋቢ ኸደ። ‘በጃኻ ን10 መዓልቲ ተዓዘበና። ንበልዖ ኣሕምልትን ንሰትዮ ማይን ሃበና። ብድሕርዚ ምስቶም ስቡሕ መግቢ ንጉስ ዝበልዑ ካልኦት መንእሰያት ኣወዳድረና: መን ከም ዝሓይሽ ከኣ ርአ’ ኢሉ ተዛረቦ።

እቲ መጋቢ ከምኡ ኽገብር ተሰማምዐ። እተን 10 መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ: ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕርኹን ካብ ኵሎም እቶም ካልኦት ዝበለጸ ጥዕና ዘለዎም ኰይኖም ተራእይዎ። ስለዚ እቲ መጋቢ ኣብ ክንዲ እቲ ንጉስ ዝህቦም መግቢ: ኣሕምልቲ ኽበልዑ ፈቐደሎም።

ኣብ መወዳእታ እተን ሰለስተ ዓመት ከኣ: ኵሎም እቶም መንእሰያት ናብ ነቡ​ካድነጻር ተወስዱ። ንዅሎም ድሕሪ ምዝራቡ ኸኣ እቲ ንጉስ ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን ካብ ኵሎም እቶም ካልኦት ንላዕሊ በላሕቲ ከም ዝዀኑ ኣስተብሃለ። ስለዚ ኣብቲ ቤተ⁠-​መንግስቲ ንኽሕግዝዎ ምስኡ ኣትረፎም። እቲ ንጉስ ንዳንኤል: ንሲድራቅ: ንሚሳቅ: ከምኡውን ንዓብድ⁠-​ኔጎ ክሓቶም ከሎ: ወይ ከቢድ ሽግራት ክህ​ቦም ከሎ ካብቶም ካህናቱ ይኹን ካብቶም ጠቢባኑ ብ10 ኢድ ዝበልጹ ነበሩ።

ዳንኤል 1:⁠1⁠-​21

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ