ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧
ጥዑም ማይ
ብዘይ ማይ፡ ምናዳ ኸኣ ብዘይ ጥዑም ማይ፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኣይምሃለወን ነይሩ። ከም ሓቂ፡ መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ ንዅሎም ህያዋን ፍጥረታት ዘቘመ ባእታ፡ ማይ እዩ። ሰባትን እንስሳታትን ካብ ቀላያትን ካብ ወሓይዝን ካብ ረግረጋትን ካብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዚርከብ መዕቈርን ኢና ዚስተ ማይ እንረክብ፣ ብዘይካዚ፡ ነዚ ማያት እዚ ንመስኖ ንጥቀመሉ ኢና።
ንጥዑም ማይ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎ ዅነታት
መብዛሕትኡ ኽፋል ፕላነትና ብማይ እተሸፈነ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብመሰረት ውድብ ሜትዮሮሎጂ ዓለም፡ “ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ማይ፡ እቲ ምስ ጥዑም ማይ ዚምደብ እሞ ሰባት ኪጥቀሙሉን ኪረኽብዎን ዚኽእሉ ማይ 0.5% ጥራይ እዩ።” እዚ ብተዛማዲ ሒደት ዝዀነ ጥዑም ማይ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት እኹል እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግና ብሰንኪ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጠለብ ማይን ለውጢ ዅነታት ኣየርን ይብከል ኣሎ፡ ወይ ኪርከብ ዘይከኣል ይኸውን ኣሎ። ገሊኦም ክኢላታት ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት፡ ሓሙሽተ ቢልዮን ሰባት እኹል ጥዑም ማይ ከም ዘይረኽቡ ይግምቱ።
ፕላነትና—ንሓዋሩ ንምንባር እተነድፈት
ምድርና ወትሩ እኹል ቀረብ ማይ ከም ዚህሉ ዚገብር ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ኣለዋ። ሓመድን ማያዊ ህይወትን ብርሃን ጸሓይን ተሓባቢሩ ንማይና የጻርዮ እዩ። ፕላነትና ንሓዋሩ ንምንባር ከም እተነድፈት ዚሕብር እተወሰነ መርትዖ እስከ ንርአ፦
ሓመድ ነቲ ኣብ ማይ ዚርከብ ሓያሎ በካሊ ነገራት ኬጻርዮ ይኽእል እዩ። ኣብ ረግረጋት ዚርከብ ገሊኡ ኣትክልቲ ድማ ናይትሮጅንን ፎስፎረስን ጸረ ባልዕን የጻሪ እዩ።
ስነ ፍልጠተኛታት ንእተበከለ ማይ ዜጻሪ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ከም ዘሎ ይፈልጡ እዮም። ኣብዚ መስርሕ እዚ፡ እቲ በካሊ ባእታታት ብዚውሕዝ ማይ ይብረዝ እሞ ደቀቕቲ ተህዋስያን የሕቅቕዎ።
ኣብ ጥዑም ማይ ዚርከቡ ገሊኦም ክላምን ማሰልን ዚብሃሉ ድርዓውያን እንስሳታት ኣብ ውሽጢ መዓልትታት ኣብ ማይ ንዚርከብ ጐዳኢ ከሚካላት ኬጻርዩ ይኽእሉ እዮም፣ ነዚ ድማ ካብ ትካላት መጻረዪ ማይ ብዝሓሸ መገዲ እዮም ኪገብርዎ ዚኽእሉ።
ፕላነትና ብዑደት ማይ ኣቢላ ማያት ትኽዝን እያ። እዚ ዑደት እዚ ምስ ካልእ ተፈጥሮኣዊ መስርሓት ተደሚሩ፡ ማይ ካብ ሃዋህውና ኸም ዘይወጽእ ወይ ብኻልእ መገዲ ኸም ዘይጠፍእ ይገብር።
እንታይ ይግበር ኣሎ፧
ዚልሕዅ ዘይቲ ብምጽጋን፡ መርዛም ነገራት ድማ ብግቡእ ብምጕሓፍ፡ ንጥዑም ማይ ኣብ ምዕቃብ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና
ክኢላታት ብእተኻእለ መጠን ማይ ክንቍጥብ ከም ዘሎና ይመኽሩ። ማይና ምእንቲ ኸይብከል ከኣ፡ ካብ ማካይን ዚልሕዅ ዘይቲ ምእንቲ ኸይህሉ ንማካይንና ኽንጽግን፡ ዘይተጠቐምናሉ ኣፋውስ ናብ ሽቓቕ ከይንጕሕፍ፡ ወይ መርዛም ነገራት ብመወገዲ ረሳሕ ፈሳሲ ኸይንኽዑ ይምዕዱ።
መሃንድሳት ንጨው ካብ ጨዋም ማይ ዚፈልዩሉ ዜደንቕ ሜላታት ምሂዞም ኣለዉ። ሸቶኦም መጠን እቲ ጥዑም ማይ ንምውሳኽ እዩ።
እዚ ግና እኹል ኣይኰነን። ንጨው ካብ ጨዋም ማይ ናይ ምፍላይ መስርሕ ኣመና ኽቡር ስለ ዝዀነን ብዙሕ ጸዓት ስለ ዜህልኽን፡ ብሰፊሑ ኺግበር ኣይከኣልን እዩ። ብ2021 ብዛዕባ ምሕደራ ማይ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ፡ “እዚ ሕጂ ዘሎ ግስጋሰ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዕጽፊ ኪኸውን ኣለዎ” ይብል።
ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
“ኣምላኽ . . . ነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕብ፣ ካብ ግመኡ ድማ ዝናም ይሰርብ። ሽዑ፡ ንደበናታት የፍስሶ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ እውን የንጠብጥቦ።”—እዮብ 36:26-28።
ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘሎ ማያት ንምዕቋብ ተፈጥሮኣዊ ዑደታት ፈጢሩ እዩ።—መክብብ 1:7።
ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ፈጣሪና ንጥዑም ማይ ንምጽራይ ዜኽእል መስርሓት ካብ መሃዘ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ኣብዚ ኣገዳሲ ጸጋታት ዘወረድዎ ጕድኣት ንምዕራይ ዓቕምን ድሌትን ዘለዎዶ ኣይመስለካን፧ ኣብ ገጽ 15 ዘላ፡ “ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።