ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 4/13 ገጽ 8-11
  • መወዳእታ ዘቤታዊ ዓመጻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወዳእታ ዘቤታዊ ዓመጻ
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዘቤታዊ ዓመጻ መወዳእታ ግበረሉ
  • ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ነታ ስድራቤት ዝጐድእ ግድላት ከተሰንፍዎ ትኽእሉ ኢኹም
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻ ዚኸውን ሓገዝ
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ትንቢት 4. ምጥፋእ ፍቕሪ ስድራ ቤት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 4/13 ገጽ 8-11

ገበር

መወዳእታ ዘቤታዊ ዓመጻ

ፍጻመ 1፦ ወለዲ ኢዛቤልa ኪበጽሕዋ መጹ። ምስ ጓሎምን ምስ ሰብኣያን ባህ ዜብል ዕላል እናኣዕለሉ፡ ጽቡቕ ምሸት ኣሕለፉ። ዝዀነ ይኹን ወላዲ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰብኣይ ጓሎም እንተ ዚኸውን ምተሓበነ ነይሩ። ብለውሃት እዩ ዚሕዛ።

ፍጻመ 2፦ ፍራንክ ነዲሩ እዩ ዘሎ። ቍጥዓኡ ንምውጻእ ከኣ፡ ንሰበይቱ ኣብ ገጻ ኺወቕዓ፡ ወይ ብእግሩ ኺረግሓ፡ ወይ ኪምንጭጫ፡ ወይ ምስ መንደቕ ኬላግዓ እዩ።

ክልቲኡ እዚ ፍጻመታት እዚ ብዛዕባ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ከም ዚገልጽ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን።

መብዛሕትኦም ብዘቤታዊ ዓመጻ ገበነኛታት ዝዀኑ ሰባት ክልተ ዓይነት ባህርይ የርእዩ

ፍራንክ ከም ካልኦት ብዙሓት ብዘቤታዊ ዓመጻ ገበነኛታት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሰባት ወይ ኣብ ቅድሚ ኣሕሙኡ ኪኸውን ከሎ፡ ብኸመይ ሕያዋይ ሰብ ከም ዚመስል ይፈልጥ እዩ። ምስ ሰበይቱ በይኑ ኪኸውን ከሎ ግና፡ ኣመና ሕሱም እዩ።

ከም ፍራንክ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰብኡት፡ ኣብ ዓመጻ ዝመልኦ ስድራ ቤታት እዮም ዓብዮም፣ ዓበይቲ ምስ ኰኑ ኸኣ፡ ተግባራቶም ቅቡል ወይ ንቡር ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ዘቤታዊ ዓመጻ ንቡር ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ እዮም ብዙሓት ሰባት፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም ዝቐጥቀጣ ምስ ሰምዑ ዚስምብዱ።

ይኹን እምበር፡ ዘቤታዊ ዓመጻ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ደቒቕ ብገምጋም ልዕሊ 16 ሳዕ ናብተን ኣብታ ሃገር ዚርከባ ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጻ ሓገዝ ዚህባ ማእከላት ተደዊሉ። ዘቤታዊ ዓመጻ ንዅሉ ባህላውን ቍጠባውን ማሕበራውን ጕጅለታት ዚትንኪ ዓለምለኻዊ ለበዳ እዩ። ብዙሕ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ተሰቲሩ ስለ ዚተርፍ፡ እቲ ዅነታት ካብቲ ኣሃዛት ዚገልጾ ዚገድድ ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ።b

ጸብጻባት ዘቤታዊ ዓመጻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት የበግስ እዩ፦ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣሽምባይዶ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱስ፡ ኣብ ልዕሊ ኻልእ እኳ ኸምዚ ዝበለ ዜስካሕክሕ ተግባር ኪገብር ዚኽእል ከመይ ኢሉ እዩ፧ ንኣንስቶም ዚቕጥቅጡ ሰብኡት ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉዶ፧

ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓመጽቲ ሰብኡት ባህርዮም ኪቕይሩ ኸም ዚሕግዞም ይኣምኑ እዮም። ከምዚ ዓይነት ለውጢ ቐሊል ድዩ፧ ኣይኰነን። ይከኣል ድዩ፧ እወ! ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሓት ሰባት ናይ ዓመጻ ዝንባለኦም ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ንኺትክእዎ ሓጊዝዎም እዩ። (ቈሎሴ 3:8-10) ተመክሮ ትሮይን ቫለሪን እስከ ንርአ።

ኣብ ፈለማ ርክብኩም ከመይ ነይሩ፧

ቫለሪ፦ በታ እተሓጸናላ ምሸት፡ ትሮይ ብሓይሊ ስለ ዝጸፍዓኒ፡ ንሰሙን ዚኸውን ስምብራት ነይሩኒ። ሽዑ፡ ደጋጊሙ ይቕረታ ሓቲቱኒ፡ ካልኣይ ሳዕ ከምኡ ኸም ዘይገብር ከኣ ቃል ኣትዩለይ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ነዘን ቃላት እዚአን ብዙሕ ሳዕ እየ ሰሚዐየን።

ትሮይ፦ ዝዀነ ይኹን ነገር እዩ ዜቘጥዓኒ ነይሩ፣ ዋላ እኳ ዚብላዕ እንተ ደንጕዩኒ እቝጣዕ ነይረ። ሓደ ግዜ፡ ንቫለሪ ብዅርናዕ ሽጉጥ ገይረ ወቒዐያ እየ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ዝቐተልክዋ ኽሳዕ ዚመስለኒ፡ ኣመና ቐጥቂጠያ እየ። ድሕሪኡ፡ ካራ ኣብ ጐረሮ ወድና ገይረ፡ ከም ዝቐትሎ ኣምሲለ ኣፈራሪሀያ።

ቫለሪ፦ ወትሩ ብፍርሂ እየ ዝነብር ነይረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ትሮይ ክሳዕ ዚሃድእ፡ ካብ ገዛ እሃድም ነይረ። እዚ ዅሉ እናኣጋጠመኒ፡ እቲ ኣፋዊ ማህሰይቱ ኻብቲ ኣካላዊ መጥቃዕቱ ንላዕሊ ንምጻሩ ይኸብደኒ ነይሩ።

ትሮይ፡ ካብ ቀደምካ ዲኻ ዓማጺ ኔርካ፧

ትሮይ፦ እወ፡ ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ እየ። ኣብ ዓመጻ ዝመልኦ ሃዋህው እየ ዓብየ። ኣቦይ ኣብ ቅድመይን ኣብ ቅድሚ ኣሕዋተይን ንኣደይ በብእዋኑ ይወቕዓ ነይሩ። ሓዲጉና ምስ ከደ፡ ኣደይ ምስ ካልእ ሰብኣይ ክትነብር ጀሚራ፣ ንሱ እውን ይወቕዓ ነይሩ። ንሓብተይን ንዓይን እውን ተጋሲሱና። በዚ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ። እዚ ዅሉ ግና ንተግባራተይ መመኽነይታ ኪኸውን ከም ዘይክእል እፈልጥ እየ።

ቫለሪ፡ ሓዳርኪ ሓዲግኪ ኣይከድክን። ስለምንታይ፧

ቫለሪ፦ እፈርህ ነይረ። ‘ሃዲኑ እንተ ቐተለኒኸ፡ ወይ ንወለደይ እንተ ቐተሎምከ፧ እንተ ነገርኩሉ ኸኣ፡ እቲ ዅነታት እንተ ገደደኸ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ።

መዓስ እዩ ለውጢ ኺርአ ተጀሚሩ፧

ትሮይ፦ ሰበይተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ኣብ ፈለማ፡ በተን ሓደስቲ መሓዙታ ቐኒአ ነይረ፣ ካብዞም ፍልይ ዝበሉ “መናፍቕ” ከድሕና ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ቫለሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ናይ ዓመጻ ተግባራት እገብር ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ግና፡ ዳንየል ዝስሙ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ወድና ወቕዒ ምንፍርፋር ኣጋጠሞ እሞ፡ ንሰለስተ ሰሙን ዚኸውን ኣብ ሆስፒታል ኣተወ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ እዮም ገይሮምልና፣ ነታ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ዝዀነት ደሲሬ ጓልና እውን ተኸናኺኖምልና እዮም። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ናይ ለይቲ እብረ ኺሰርሕ ድሕሪ ምሕዳሩ፡ ቫለሪ ቝሩብ ድቃስ ንኽትረክብ ኢሉ፡ ምስ ዳንየል ምሉእ መዓልቲ ጸንሐ። እዞም ሕማቕ ዝገብሮም ዝነበርኩ ሰባት እዚኦም ዝገበሩልና ለውሃት፡ ብዙሕ ተንከየኒ። ናይ ሓቂ ክርስትና ብግብሪ ኸም ዝረኣኹ ተገንዘብኩ። ስለዚ፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓተትክዎም። መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኺሕዛ ኸም ዚግብኦ፡ ከመይ ገይሩ እውን ኪሕዛ ከም ዘይግብኦ ተምሃርኩ። ነቲ ናይ ዓመጻን ናይ ህስያን ባህርየይ ንሓዋሩ ኣወገድኩዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ።

እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኽትልወጥ ሓጊዙካ፧

ትሮይ፦ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:7፡ ንሰበይተይ ‘ከኽብራ’ ኸም ዘሎኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ገላትያ 5:23 ከኣ፡ “ልእመት”ን “ርእሰ ግትኣት”ን ከነማዕብል ተተባብዕ። ኤፌሶን 4:31 ድማ፡ ን“ጸርፊ” ትዅንን። እብራውያን 4:13 ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ “ኵሉ . . . ግሁድ” ምዃኑ ትገልጽ። ስለዚ፡ ንተግባረይ ጐረባብተይ እኳ እንተ ዘይረኣይዎ፡ ኣምላኽ ግና ይርእዮ እዩ። ‘ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ ስለ ዜበላሽዎ’ ድማ፡ መዋዕልተይ ክቕይር ከም ዘሎኒ እውን ተምሃርኩ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ርኢኻ፡ ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ፡ ነቲ ዓመጻ ዝመልኦ መገደይ የተባብዑ እዮም ነይሮም። ሰብኣይ ንሰበይቱ “ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ” ምእንቲ ኺገብራ፡ ኪወቕዓ ግቡእ ኸም ዝዀነ ይስምዖም ነይሩ።

ሕጂ ብዛዕባ ሓዳርኩም ከመይ ይስምዓኩም፧

ቫለሪ፦ ትሮይ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዚኸውን 25 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ናይ ሓቂ ፈቃርን ለዋህን ሓላይን እዩ ዀይኑለይ።

ትሮይ፦ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤተይ ዝገብርክዎ ኽፉእ ክቕይሮ ኣይክእልን እየ፣ ሰበይተይ ከኣ፡ እቲ ዝገበርክዋ ተግባራት ከቶ ዚግብኣ ኣይኰነትን። ግናኸ፡ ነቲ ጽልሙት ክፋል ታሪኽና ኻብ ተዘክሮና ዚሃስሰሉ መፈጸምታ ኢሳይያስ 65:17 እጽበ እየ።

ብዘቤታዊ ዓመጻ ንእተሃስዩ ስድራ ቤታት፡ ነፍሲ ወከፍኩም እንታይ ምኽሪ ትህቡ፧

ትሮይ፦ ንስድራ ቤትካ ብኣካላዊ ወይ ብኣፋዊ መዳይ ትዕምጽ እንተ ዄንካ፡ ሓገዝ ከም ዜድልየካ ኣሚንካ፡ ሓገዝ ድለ። ብዙሕ ሓገዝ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ንዓይ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዐይን ምሳታቶም ምሕባረይን፡ ነቲ ኣባይ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ናይ ዓመጻ ዝንባለ ንኸሰንፎ ሓጊዙኒ እዩ።

ቫለሪ፦ ኵነታትኪ ምስ ናይ ካልእ ኣይተወዳድሪ፣ ወይ ናይቶም ዝሓሸ ዚፈልጡልኪ ዚመስሎም ሰባት ምኽሪ ኣይትስዓቢ። ኵሉ ሰብ ሕደ ፍረ ዘይረክብ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ ብጽቡቕ ርክብ ስለ እተባረኽና፡ ሓዳረይ ብዘይምብታነይ ሕጉስቲ እየ።

ንዘቤታዊ ዓመጻ መወዳእታ ግበረሉ

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንብዙሓት ሰብኡት ዜድሊ ለውጢ ኺገብሩ ሓጊዝዎም

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንትምህርትን ንመግናሕትን ንምቕናዕን . . . ከኣ ዚጠቅም እዩ” ይብል። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ከምዚ ታሪኹ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ትሮይ፡ ብዙሓት ሃሰይቲ ዝነበሩ ሰብኡት ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎም እዮም፣ ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ኪቕይሩ ኸኣ ክኢሎም እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዳርካ ብኸመይ ኪጠቅም ከም ዚኽእል ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ፡ ወይ ኣብ www.jw.org እቶ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ብርክት ዝበሉ ሰብኡት ብኣንስቶም ከም ዚቕጥቀጡ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ዚንገረሉ ዘቤታዊ ዓመጻ ግና፡ ሰብኡት እዮም ገበነኛታት።

ስለምንታይ ሓዲገናኦም ዘይከዳ፧

ገሊአን ኣንስቲ ምስ ዓማጺ ሰብኣየን ምንባር ዚቕጽላ ስለምንታይ እየን፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓዲገናኦም እንተ ኸይደን፡ እቲ ማህሰይቲ ኸይገድድ ስለ ዚፈርሃ እየን። ገሊኦም ሰብኡት፡ ኣንስቶም ኬምልጣ እንተ ፈቲነን፡ ከም ዚጐድእወን ወይ ከም ዚቐትልወን የፈራርህወን እዮም። ብዙሓት ከኣ ከምቲ ምፍርራሆም ገይሮም እዮም።

ገሊአን ድማ ፈተውተንን ኣዝማደንን፡ እቲ ኣብ ቤተን ዘሎ ዅነታት ኣመና ኸም ዝሓሰመ ብዘይምእማኖም ከይቃወምወን ስለ ዚፈርሃ፡ ንሰብኡተን ሓዲገናኦም ከይከዳ ይወላወላ እየን። ንኣብነት፡ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተመክሮኣ ተገሊጹ ዘሎ ኢዛቤል፡ ንሰብኣያ ሓዲጋቶ ኸይዳ ነይራ እያ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠማ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓብተይ ኰርያትለይን ናብኡ ኺምለስ ደፋፊኣትንን እያ፣ ከምኡ ዝበለ ‘ሕያዋይ’ ሰብኣይ፡ ኣዝዩ ሕሱም ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይኣመነትን። ኵሎም ጐረባብተይ ኣገሊሎምኒ እዮም፣ ምስ ደቀይ ናብ ካልእ ቦታ ኽግዕዝ ከኣ ተገዲደ እየ” በለት።

ኣንስቲ ሓዲገናኦም ከይከዳ ዚውስናሉ ኻልእ ምኽንያታት ከኣ፦

  • ደቀን ምስ ክልቲኦም ወለዲ ኺዓብዩ ይደልያኦም።

  • ንርእሰን ኰነ ንደቀን ኬናብራ ዚኽእላ እንተ ዀይነን የጨንቐን።

  • ንሳተን ተሓተትቲ ኸም ዝዀና ገይረን ብጌጋ ይኣምና።

  • ግዳያት ህስያ ኸም ዝዀና ምግላጽ የሕፍረን።

  • እቲ ዅነታት ኪመሓየሽ ተስፋ ይገብራ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ብዘይካ ብምኽንያት ዝሙት ፍትሕ ከም ዘይፍቀድ ዚገልጽ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይኣምኑሉ እዮም። (ማቴዎስ 5:32) ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ዅነታት፡ እንተላይ ብመጻምድቲ ዚወርድ ሕሉፍ ኣካላዊ ማህሰይቲ፡ ንገሊኦም ኪፍለዩ ኺድርኾም ይኽእል እዩ።

ንሰብኡት ዚሕግዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

  • ንሰበይትኻ ብኣኽብሮት ሓዛ።​—1 ጴጥሮስ 3:7።

  • ንሰበይትኻ ኸም ሰብነትካ ጌርካ ኣፍቅራ።​—ኤፌሶን 5:28, 29።

  • ፍቕርኻ ህያው ኸም ዚኸውንን ከም ዚዓብን ግበር።​—ኤፌሶን 5:25።

  • ኣይትጻረፍ።​—ኤፌሶን 4:29, 31።

  • ርእሰ ግትኣት ኣማዕብል።—ምሳሌ 29:11።

  • ንርእስኻ ኣኽብሮት ዚህልወካ፡ ንኻልኦት ብምቍጽጻር ዘይኰነስ፡ ገዛእ ርእስኻ ብምቍጽጻር ምዃኑ ፍለጥ።​—ምሳሌ 16:32።

  • ብዛዕባ ሳዕቤናት ተግባራትካ ሕሰብ።​—ገላትያ 6:7።

  • ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኸም እትኸውን እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብቲ ቦታ እንተ ረሓቕካ ይሓይሽ።​—ምሳሌ 17:14።

  • ንተግባራት ዓመጻ ፈንፍኖ።​—መዝሙር 11:5።

  • ንሰበይትኻ ኻባኻ ኸም እትትሕት ዘይኰነስ፡ ከም ክኢላ ደጋፊትካ ጌርካ ርኣያ።​—ዘፍጥረት 1:31፣ 2:18።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ