ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hdu ዓንቀጽ 4
  • መንፈሳዊ ምግቢ እትዕድል ንዋት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንፈሳዊ ምግቢ እትዕድል ንዋት
  • ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መስመር ሳተላይት JW፡ ኢንተርነት ናብ ዘይበጽሓሉ ቦታታት ይበጽሕ
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ወግዓዊ ወብ ሳይትና—ንዓናን ንኻልኦትን ዚጠቅም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ኣብ ኣገልግሎትካ ንjw.org ተጠቐመሉ—“ዓርኪ የሆዋ ኹን”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ምኽሪ መጽናዕቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
hdu ዓንቀጽ 4
ጀይ ዳብልዩ ቦክስ።

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

መንፈሳዊ ምግቢ እትዕድል ንዋት

1 መስከረም 2020

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ መንፈሳዊ ምግቢ ብዲጂታዊ መገዲ ይረኽቡ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ዓለም ንዚነብሩ ኣሕዋትና ዋጋ ኢንተርነት ይኸብሮም እዩ። ገሊኦም ከኣ ኢንተርነት ኣብ ዚቈራረጸሉ፡ ፍጥነት ኣብ ዘይብሉ፡ ወይ ፈጺሙ ኢንተርነት ኣብ ዘይብሉ ኸባቢ እዮም ዚነብሩ።

ኰይኑ ግና፡ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዘይ ኢንተርነት ዲጂታዊ ሕታማት የራግፉ ኣለዉ! ብኸመይ፧

ጀይ ዳብልዩ ቦክስ (JW Box) ድሩት ኢንተርነት ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ንዚርከባ ጉባኤታት እተዳለወት ንእሽቶ ንዋት እያ። እዛ ንዋት እዚኣ፡ ካብ ንግዳዊ ትካል እተዓደገ መሳርሒ፡ ኣብ ቤት-ኤል ዚርከብ ክፍሊ ኮምፕዩተር ዘማዕበሎ ሶፍትዌር፡ ኣብ jw.org ዚወጽእ ዲጂታዊ ሕታማትን ቪድዮታትን ዝሓዘት እያ። ዋጋ ሓንቲ ንዋት ከኣ ብገምጋም $75 ዶላር ኣመሪካ እዩ።

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንሞባይላቶም ምስ ጀይ ዳብልዩ ቦክስ ብዋይፋይ የራኽቡ እሞ፡ ሕታማትን ቪድዮታትን የራግፉ። ዋይፋይ ኪቕበል ምስ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሞባይል ኪራኸብ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ጉባኤ ኢንተርነት ዘይብላ እንተ ዀይና ግና፡ ጀይ ዳብልዩ ቦክስ እዋናዊ ሕታማት ዚረክብ ብኸመይ እዩ፧ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ jw.org ዝወጸ ሓድሽ ሕታማት ዝሓዘት፡ $4 ዶላር ኣመሪካ ዝዋግኣ ፍላሽ ዲስክ በብእዋኑ ይልእኽ፣ እዛ ፍላሽ እዚኣ ኸኣ ምስ ጀይ ዳብልዩ ቦክስ ትተሓሓዝ።

ጀይ ዳብልዩ ቦክስ ንኣሕዋትና ብኸመይ ሓጊዛቶም፧ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዚነብር ናታን ኣድሩዋንድራ ዝስሙ ኣቦ ኸምዚ ይብል፦ “‘ኦ የሆዋ፡ . . . ብኣኻ እእመን እየ’፡ ‘ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ፡’” ንዘርእስተን ድራማታት ኬራግፈን ብዙሕ ግዜ ጽዒረ እየ። ስለ ዘይሰለጠኒ ግና ተስፋ ቘሪጸ ነይረ። ሕጂ ግና ነዘን ቪድዮታት እዚአን ኣብ ሞባይለይ ከራግፈን ክኢለ እየ፣ እዚ ኸኣ ከም ወለዲ መጠን ንውሉዳትና ብዝሓሸ መገዲ ኽንምህሮም ሓጊዙና እዩ።”

ኣብ ናይጀርያ ንዚርከባ ጉባኤታት ጀይ ዳብልዩ ቦክስ ኣብ ምግጣም ዚሕግዝ ሓደ ሓው ከምዚ በለ፦ “ኣሕዋት ንጀይ ዳብልዩ ቦክስ ካብ የሆዋ እተላእከት ፍልይቲ ውህበት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። ሕጂ ንሕታማትናን ንቪድዮታትናን ካብ ናውቲ ትምህርቲ ብቐሊሉ ኼራግፍዎ ብምኽኣሎም ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢሎም እዮም።”

ልዕሊ 1,700 ጀይ ዳብልዩ ቦክስ ኣብ ኣፍሪቃን ኦሽያንያን ደቡብ ኣመሪካን ናብ ዚርከቡ ኣሕዋትና ተላኢኹ እዩ፣ ናብ ሓያሎ ኻልኦት ጉባኤታት ንምልኣኽ ከኣ መደባት ይግበር ኣሎ። እቲ ወጻኢታትከ ብኸመይ እዩ ዚሽፈን፧ በቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚግበር ወፈያ እዩ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ኸኣ ብdonate.jw.org እዩ ዚግበር። ስለቲ ብልግሲ እትገብርዎ ደገፍ ክንንእደኩም ንፈቱ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ