ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwwd ዓንቀጽ 3
  • ድንቂ መሓውር ኦክቶፑስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድንቂ መሓውር ኦክቶፑስ
  • ተነዲፉ ድዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብርሃን ካብ ህይወት
    ተነዲፉ ድዩ፧
ተነዲፉ ድዩ፧
ijwwd ዓንቀጽ 3

ተነዲፉ ድዩ፧

ድንቂ መሓውር ኦክቶፑስ

መሃንድሳት ሮቦት፡ ሓካይም ኣብ ሰብነት ሰፊሕ ከይጠብሑ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ መጥባሕቲ ኺገብሩ ዚሕግዝ መሳርሒ የማዕብሉ ኣለዉ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ካብቲ ኣዝዩ ተዓጻጻፊ መሓውር ኦክቶፑስ ኪቐድሑ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኦክቶፑስ በተን ተዘርጋሕትን ተዓጻጸፍትን ሸሞንተ መሓውሩ ገይሩ ኣብ ጸቢብ ቦታ እውን ከይተረፈ ኺሕዝን ኪዕትዕትን ኪጭብጥን ይኽእል እዩ። ኦክቶፑስ ንመሓውሩ ናብ ዝዀነ ሸነኽ ኪዓጽፎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንእተፈላለየ ኽፍሊ መሓውሩ ኺግትሮ እውን ይኽእል እዩ።

ተመራመርቲ ኸምዚ ዓይነት ልስሉስን ተዓጻጻፍን ሮቦታዊ መሓውር፡ ኣብ ሰብነት ንእሽቶ ቦታ ጥራይ ብምኽፋት መጥባሕቲ ንምግባር ብዙሕ ከም ዚሕግዝ ይኣምኑ እዮም። ብሓገዝ እቲ መሳርሒ፡ እተሓላለኸ መጥባሕቲ ንዜድልዮም ሕሙማት፡ ብቐሊሉ መጥባሕቲ ኺግበረሎም ይኽእል እዩ።

ኦክቶፑስ ምስ ተዓጻጻፊ መሓውሩ ርአ

ከምዚ ዝበለ ሮቦታዊ መሓውር ድሮ ተዳልዩ ኣሎ፡ ንመጥባሕቲ ኣብ ዚግበር ልምምድ ከኣ ይፍተን ኣሎ። ሓደ ኽፋል እቲ 135 ሚሊ ሜተር ዝንውሓቱ መሓውር፡ ንተኣፋፊ ውሽጣዊ ኣካላት ከይጐድአ ሓፍ ኣቢሉ ኺሕዘሉ ኸሎ፡ እቲ ኻልእ ክፋል ድማ መጥባሕቲ ይገብር። ሓደ ኻብቶም ነዚ መሳርሒ እዚ ዝሰርሑ ተመራመርቲ ዝዀነ ዶክተር ቶማሶ ራንዛኒ ኸኣ፡ “እዚ መጀመርታ እቲ ብሕጂ እናተምሓየሸን ብዝያዳ እናማዕበለን ዚኸይድ መሳርሒ ኸም ዝዀነ ኢና እንኣምን” ይብል።

ኦክቶፑስን ሮቦታዊ መሓውርን

ልስሉስን ተዓጻጻፍን ሮቦታዊ መሓውር፡ ኣብ መጥባሕቲ ብዙሕ ኪሕግዝ ይኽእል

እንታይ ይመስለካ፧ መሓውር ኦክቶፑስ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፧ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ