John Moore/Getty Images
ጥዕና—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
“ምብቃዕ ዓለምለኸ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ድሕሪ ደጊም ኮቪድ-19 ኣየስግኣናን እዩ ማለት ኣይኰነን። ድሕሪ ሕጂ ንዚመጽእ ለበዳ፡ ምምጻኡ እውን ዘይተርፍ እዩ፡ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና።”—ቀንዲ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዀነ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ፡ 22 ግንቦት 2023።
ብምኽንያት ኮቪድ-19፡ ሓያሎ ሰባት ምስ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገማት ጥዕና ይቃለሱ ኣለዉ። መንግስትታትን ትካላት ጥዕናን ንዚመጽእ ለበዳ ኺዳለዉ ድዮም፧ ነቲ ዜጋጥመና ናይ ጥዕና ጸገማትከ ኺፈትሑልና ይኽእሉ ድዮም፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጽቡቕ ጥዕና እተምጽእ መንግስቲ ይገልጽ እዩ። “ኣምላኽ ሰማይ . . . መንግስቲ ኬቕውም እዩ” ድማ ይብል። (ዳንኤል 2:44) ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ እቲኣ፡ “ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።” (ኢሳይያስ 33:24) ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ጽቡቕ ጥዕናን ከም ናይ ንእስነቱ ዝበለ ጕልበትን ኪህልዎ እዩ።—እዮብ 33:25።