ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwex ዓንቀጽ 17
  • ብስራት ዘምጽአ ምዕልቕላቕ ማይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስራት ዘምጽአ ምዕልቕላቕ ማይ
  • ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መርከብ ኣብ ሓንቲ ደሴት ተሰብረት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ባህ ዜብለኒ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ijwex ዓንቀጽ 17
ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ነባሪ እታ ቝሸት ዝዀነ ግዳይ፡ ነታ ‘ሓደጋ ምስ ዜጋጥም—ህይወት ኬድሕን ዚኽእል ስጕምትታት’ ዘርእስታ መጽሔት ‘ንቕሑ!’ ይህቦ።

ብስራት ዘምጽአ ምዕልቕላቕ ማይ

ኣብ 2017፡ ዓሰርተው ክልተ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ገምገም ዞባ ኒከራግዋ ኻብ እትርከብ ሞስኪቶ (ሚስኪቶ) ብጃልባ ነቐሉ። እታ ጃልባኦም ከኣ ስቱሪ ያምኒ ትብሃል ነይራ። ስቲቨን እተባህለ ሓደ ኻብቶም ጀለብቲ ብዛዕባ ዕላማ ጕዕዞኦም ኪገልጽ ከሎ፡ “ሸቶና፡ ነቶም ኣብቲ እተገለለ ቦታ ዚነብሩ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምትብባዕን ኣብቲ ሰፊሕ ክሎም ነቲ ብስራት ኪሰብኩ ምሕጋዝን እዩ ነይሩ” ይብል።

እቶም 12 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናብታ ኻብ ፐርል ላጎን 200 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ሪዮ ግራንደ ዴ ማታጋላፕ ንምኻድ ጕዕዞኦም ጀመሩ። እታ ብቛንቋ ሚስኪቶ “ብስራት” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ጃልባኦም፡ ነቶም ኣብ ገምገም እቲ ፈለግ ዚነብሩ ሰባት፡ ፍሉይ ትርጉም ከም ዚህልዋ ኣይፈለጡን ነይሮም። ነታ ዘዕረፉላ ለይቲ ኸይጸብጸብካ ንኣስታት 12 ሰዓት ድሕሪ ምጕዓዝ፡ ማሕበረ ሰብ ላ ክሩዝ ደ ሪዮ ግራንደ ናብ ዚነብሩ ቦታ በጽሑ። እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ሽዱሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ፡ ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም።

ኣብታ ለይቲ እቲኣ ግና ሓደጋ ኣጋጠመ። ብሰንኪ ብርቱዕ ህቦብላ፡ ኣብ ምንጭታት ሪዮ ግራንደ ዴ ማታጋላፕ ሓያል ዝናም ዘነመ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት፡ ገማግም እቲ ፈለግ ኬዕለቕልቕ ጀመረ። እዚ ኸኣ ንኽልተ መዓልቲ ቐጸለ። ኣብ ላ ክሩዝ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ ብዙሕ ኣባይትን ብማይ ኣዕለቕለቐ። እቶም ኪበጽሑ ዝመጹ ኣሕዋት ነቶም ነበርቲ ኻብ ኣባይቶም ኪወጹ ሓገዝዎም። መብዛሕትኦም ከኣ ሓደ ደርቢ ኣብ ዘለዎ ገዛ ናይ ሓንቲ ሓብቲ ኽልተ ለይቲ ሓደሩ።

ኣብ ላ ክሩዝ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ። እቲ ማይ ክሳብ ፍርቂ ህንጻ እቲ ኣዳራሽ በጺሑን ንሓጹር እቲ ኣዳራሽ ዳርጋ ሸፊንዎን ነበረ።

ብማይ ዘዕለቕለቐ ኣብ ላ ክሩዝ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

ኣብታ ሳልሰይቲ ምሸት፡ ከንቲባ ላ ክሩዝ ሓገዞም ኪሓትተ፡ ናብቶም ኪበጽሑ ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጸ። ኣብቲ ዘዕለቕለቐ ፈለግ ክትጐዓዝ ዓቕሚ ዝነበራ ጃልባ ስቱሪ ያምኒ ጥራይ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ኸንቲባ በቲ ምዕልቕላቕ ንእተጐድኡ ኻልኦት ማሕበረ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ሰራሕተኛታት ዕዮ ረድኤት ሒዞም ኪኸዱ ሓተቶም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ኪሕግዙ ተሓጒሶም ተሰማምዑ።

ንጽብሒቱ፡ ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ጕጅለ ዕዮ ረድኤት ሒዞም ጕዕዞ ጀመሩ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ ዅነታት ስቲቨን ኸምዚ በለ፦ “እቲ ፈለግ ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ነበረ። ዓበይቲ ኣእዋም ካብ ስሩ ተማሕዩ፡ ኣብቲ ፈለግ ይንሳፈፍ ነበረ፣ ገፊሕ ሕምብሊል ተፈጢሩ ነበረ። እቲ ፈለግ ድማ ኣብ ሰዓት ልዕሊ 18 ኪሎ ሜተር ይውሕዝ ነበረ።” እቲ ዅነታት ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ እታ ጃልባ ኣብ ሰለስተ ቦታ ናብ ዚርከቡ ማሕበረ ሰብ ክትበጽሕ ክኢላ እያ።

እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም፡ ነቶም ነበርቲ እተን ኣቝሻት ኣጸናኒዖምዎም እዮም። ብዘይካዚ፡ ምስቲ ዅነታት እትሰማማዕ ብ2017 እተሓትመት፡ “ሓደጋ ምስ ዜጋጥም—ህይወት ኬድሕን ዚኽእል ስጕምትታት” ዘርእስታ መጽሔት ንቕሑ! ነቶም ሰባት ኣበርከቱሎም።

እቶም ነበርቲ ኸኣ፡ ስለቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሃብዎም ግብራውን መንፈሳውን ሓገዝ ካብ ልቦም ኣመስጊኖም እዮም። ገለ ነበርቲ እተን ኣቝሻት፡ “ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ኪሕግዙ ፍቓደኛታት እዮም” በሉ። ካልኦት ድማ “ንሰባት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣለዎም” ኢሎም እዮም። ብዙሓት ነበርቲ እተን ኣቝሻት፡ ነቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣሕዋቶምን ንኻልኦትን ንምሕጋዝ ዝገበርዎ ጻዕሪ ምስ ረኣዩ፡ ነቲ ዜጸናንዕ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ