ንግፉዓት ደቂ ኣንስትዮ ዚኸውን ሓገዝ
“ኣብ ብዘላ ዓለም ብሚልዮናት ዚቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ማህሰይቲ ይወርደን እዩ። ንስኺኸ ሓንቲ ኻባታተን ዲኺ፧ ኣምላኽ ብድሕንነትኪ ስለምንታይ ከም ዚግደስን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ግፍዒ እንታይ ኪገብር ምዃኑን ኣንብቢ።”
ኣብ jw.org ዝወጸት፡ “ድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ—ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቓላት እያ እትጅምር። ኣብ መወዳእታ እታ ዓንቀጽ ዚርከብ ሊንክ ከኣ፡ ነቲ ሓበሬታ ብመልክዕ PDF ከተራግፍ የኽእለካ። ነቲ ዘራገፍካዮ ምስ ሓተምካዮን ምስ ዓጸፍካዮን ድማ፡ ኣርባዕተ ዝገጹ ትራክት እዩ ዚኸውን። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ስቴሲ ዝስማ ሓብቲ፡ “ቅዳሓት እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ምስ ሓተምኩ፡ ምስ ካልእ ሓብቲ ዄንና ኣብ ክሊ ጉባኤና ናብ ዚርከብ መዕቈብ ደቂ ኣንስትዮ ወሲድናዮ” ትብል።
ኣብኡ እትዓዪ ሰራሕተኛ ኸኣ፡ ነተን ኣብቲ መዕቈቢ ዚነብራ ደቂ ኣንስትዮ ምእንቲ ኪኸውን ኢላ ተወሳኺ ቕዳሓት ሓተተት። ስለዚ፡ 40 ተወሳኺ ቕዳሓት እዛ ትራክትን 30 ካርድ ኣድራሻ jw.orgን ሃብኣ። ኣብ ካልእ ምብጻሕ ድማ፡ ኣመሓዳሪት እቲ መዕቈቢ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ነተን ኣብኡ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኼርእያአን ከም እትደሊ ገለጸት።
ስቴሲን ክልተ ኻልኦት ኣሓትን ናብ ካልእ መዕቈቢ ምስ ከዳ፡ ሓሙሽተ ቕዳሓት እዛ ትራክት ኣበርከታ፡ ተወሳኺ ኼምጽኣ እውን ሕቶ ቐረበለን። ሓንቲ ሰራሕተኛ ኸኣ፡ “እዛ ፓምፍለት እዚኣ፡ ኣብዚ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኽትሕግዘን እያ” ድሕሪ ምባል፡ “እዚኣ ተድልየና እያ” በለተን። ኣብ ካልእ ምብጻሕ፡ ገሊአን ኣብቲ መዕቈቢ ዚነብራ ደቂ ኣንስትዮ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ኪርእያ ኢለን ተኣከባ። ክልተ ኻባታተን ድማ ኣብቲ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ናይ መወዳእታ ሰሙን ኣኼባ ኺእከባ ኸም ዚደልያ ገለጻ።
ስቴሲ ኸምዚ ትብል፦ “እዛ ጽብቕቲ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክሳዕ ክንደይ ተቐባልነት ከም ዝረኸበት ብምርኣይና ተደኒቕና ኢና። ኣብ ወረቐት ሓቲምና ምስ ዓጸፍናያ፡ ነዘን ኣብ ፍሉይ ኵነታት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ማራኺ ብዝዀነ መገዲ ንምብጻሕ ተኽእለና እያ። በቲ ዝረኸብናዮ ጽቡቕ ተቐባልነት ልብና ተተንክዩ እዩ፣ የሆዋ ነቲ ነዘን ሰባት እዚአን ንምብሳር እንገብሮ ጻዕርታት ብኸመይ ከም ዚባርኾ ኽንርኢ እውን ተሃንጢና ኢና ዘለና።”