ምኽሪ መጽናዕቲ
ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትዝክር፧
እትፈትዋ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምዝካር ኣጸጊሙካዶ ይፈልጥ፧ ምናልባት እተጸናንዓካ፡ ግጉይ ሓሳባት ከተርሕቕ እትሕግዘካ፡ ወይ ንሰብ ክትነግሮ ዝደለኻ ጥቕሲ ትኸውን። (መዝ. 119:11, 111) ነዚ ጥቕስታት እዚ ንምዝካር ዚሕግዘካ ገለ ሓሳባት እስከ ንርአ።
ነቲ ኣብ ኣፕሊኬሽን JW Library® ዚርከብ “መለለዪ” (tag)a ተጠቐመሉ። ኣብቲ መለለዪ (tag)፡ “ምሩጻት ጥቕስታት” ዚብል ፍጠር፣ ነቲ ኽትዝክሮ እትደሊ ጥቕስታት ከኣ ኣብኡ ኣቐምጦ።
ነቲ ጥቕስታት ኣብ ርኡይ ቦታ ለጥፎ። ክትዝክራ እትደሊ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ጽሒፍካ ብዙሕ ሳዕ ኣብ እትርእዮ ቦታ ለጥፎ። ገሊኦም ኣብ መስትያት፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ፍሪጅ ይልጥፉ እዮም። ገሊኦም ድማ ነታ ጥቕሲ ስኢሎም ኣብ ኮምፕዩተሮም ወይ ሞባይሎም ከም ስክሪን ሴቨር ገይሮም ይጥቀሙላ እዮም።
ካርድታት ተጠቐም። ሓንቲ ጥቕሲ እትርከበሉ ቦታ ብሓደ ሸነኽ እቲ ካርድ፡ እታ ጥቕሲ እንታይ ከም እትብል ከኣ ብኻልእ ሸነኹ ጽሓፍ። ድሕሪኡ፡ ብሓዲኡ ሸነኽ ጥራይ ብምርኣይ፡ እታ ጥቕሲ እንታይ ከም እትብል ወይ ኣበይ ከም እትርከብ ክትዝክር ፈትን።
a ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org ውድባዊ ዕማማት—ንኣጠቓቕማ JW Library ዚኸውን ምኽሪ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።