ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ለካቲት ገጽ 30-31
  • ማንም ኪጥቀመላ ዚኽእል ቀላል ሕቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ማንም ኪጥቀመላ ዚኽእል ቀላል ሕቶ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እነኹ ባርያ የሆዋ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ ማርያም እንመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “እኔኹ: ኣነ ባርያ የሆዋ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንሰይፊ ሓዘን ተጻወረቶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ለካቲት ገጽ 30-31
ሓንቲ ሓብትን ሰብኣያን ብቪድዮ ኮንፈረንስ መጽናዕቲ ይመርሑ።

ማንም ኪጥቀመላ ዚኽእል ቀላል ሕቶ

ኣብታ ሜሪን ሰብኣያ ጆንንa ዚነብሩላ ዓዲ፡ ኪሰርሑ ዝመጹ ብዙሓት ፊሊፒንሳውያን ኣለዉ። ንዓታቶም ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩሎም እዮም። ብግዜ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሜሪ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ምስ ዚነብሩ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚራ እያ። ከመይ ገይራ እያ ኸምኡ ኽትገብር ክኢላ፧

ሜሪ ነተን መጽሓፍ ቅዱስ እትምህረን ሰባት፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃር እትደሊ ሰብዶ ትፈልጢ፧” ኢላ ትሓትተን እያ። ከም ዚፈልጣ እንተ መሊሰናላ፡ ኬፋልጣኣ ትሓትተን እያ። እዛ ቐላል ሕቶ እዚኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ፍረ እያ እተፍሪ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንቓል ኣምላኽ ዜማስዉሉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ንኣባላት ስድራ ቤቶምን ንፈተውቶምን የካፍልዎም እዮም። እሞ ደኣ ነዛ ሕቶ እዚኣ ምሕታት እንታይ ፍረ ኣምጺኡ፧

ሜሪ እትምህራ ጃዝሚን ዝስማ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ኣርባዕተ ሓደስቲ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣፋለጠታ። ክርስቲን ዝስማ ሓንቲ ኻባታተን ድማ ንመጽናዕታ ኣዝያ ስለ ዝፈተወቶ፡ ንሜሪ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ከተጽንዕ ሓተተታ። ሜሪ ድማ ንክርስቲን መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር ዚደሊ ሰብ ትፈልጥ እንተ ዀይና ምስ ሓተተታ፡ ክሪስቲን “እወ፡ ምስ መሓዙተይ ከፋልጠኪ እየ” ኢላ መለሰትላ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከኣ ክርስቲን ንሜሪ፡ ኬጽንዓ ምስ ዚደልያ ኣርባዕተ ፈተውታ ኣፋለጠታ። ኣብ ካልእ ግዜ እውን ምስ ካልኦት መሓዙታ ኣፋለጠታ፣ ገለ ኻባታተን ከኣ ምስ ካልኦት መሓዙተን ኣፋለጥኣ።

ብዘይካዚ ድማ ክርስቲን፡ እቶም ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብሩ ስድራ ቤታ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃሩ ደለየት። ስለዚ፡ ንጓላ ኣንድርያ ተዛረበታ። ኣብ መጀመርታ ኣንድርያ፡ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናፍቓን እዮም፣ ብየሱስ ኣይኣምኑን እዮም፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥራይ እዮም ዚኣምኑ’ ኢላ ትሓስብ ነበረት። ሓንሳእ መጽናዕቲ ምስ ገበረት ግና፡ እቲ ግጉይ ኣተሓሳስባኣ ተወገደ። መጽናዕቲ ኣብ ትገብረሉ ዝነበረት እዋን ከኣ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኢልዎ፡ ሓቂ ኪኸውን ኣለዎ!” ትብል ነበረት።

ድሕርዚ፡ ኣንድርያ ንሜሪ ምስ ክልተ መሓዙታን ምስ ሓንቲ መጽናዕቲ ዝጀመረት መሳርሕታን ኣፋለጠታ። ሜሪ ደኣ ኣይፈለጠትን ነይራ እምበር፡ ኣንጀላ ዝስማ ዓይነ ስውርቲ ዝዀነት ኣሞኣ ንኣንድርያ እውን፡ ነቲ መጽናዕትታተን ትሰምዖ ነበረት። ድሕሪኡ ሓደ መዓልቲ፡ ኣንጀላ ንኣንድርያ፡ ምስ ሜሪ ኸተፋልጣ ሓተተታ፣ ናይ ርእሳ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረላ እውን ሕቶ ኣቕረበት። ኣንጀላ ነቲ እትምሃሮ ዝነበረት ፈተወቶ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሓያሎ ጥቕስታት ብኣእምሮኣ ሸምደደት። ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ሳዕ ከተጽንዕ እውን ደለየት! ብሓገዝ ኣንድርያ ኸኣ፡ ኣብ ኣኼባታት ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክትእከብ ጀመረት።

ክርስቲን ኣብ እተጽንዓሉ እዋን፡ ጆሹዋ ዚብሃል ሰብኣያ ኣብኡ ኸም ዚጸንሕ ሜሪ ምስ ፈለጠት፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ኺጽምበረን ዚደሊ እንተ ኰይኑ ሓተተቶ። ጆሹዋ ድማ፡ “ክሰምዕ ጥራይ እየ ዝደሊ፣ ሕቶታት ከይትሓትትኒ፣ እንተ ሓቲትክኒ፡ ክወጽእ እየ” ኢሉ መለሰላ። ሓሙሽተ ደቂቕ ኣብ ዘይመልእ እዋን ግና፡ ካብ ናይ ክርስቲን ዚበዝሕ ሕቶታት ሓተተ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ኪገብር እውን ደለየ።

ሜሪ ቐላል ሕቶ ብምሕታት ብዙሓት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀመረት። ንሓያሎ ኻባታቶም ድማ ናብ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመሓላለፈቶም። ብድምር፡ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት 28 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀመረት።

እታ ኣብዚ ተመክሮ እዚ ቐዳመይቲ ተምሃሪት ዝዀነት ጃዝሚን፡ ኣብ ሚያዝያ 2021 ተጠምቀት። ክሪስቲን ድማ ኣብ ግንቦት 2022 ተጠምቀት፣ ምስ ስድራ ቤታ ምእንቲ ኽትከውን ኢላ እውን ናብ ፊሊፒንስ ተመልሰት። ክርስቲን ንሜሪ ዘፋለጠተን ክልተ ኻልኦት ተምሃሮ እውን ተጠምቃ። ኣንጀላ እውን ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ተጠምቀት፣ ሕጂ ኸኣ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ጆሹዋ ሰብኣይ ክርስቲንን ኣንድርያ ጓላን ብዙሓት ካልኦት ተምሃሮን እውን ጽቡቕ ዕቤት ይገብሩ ኣለዉ።

እታ ኣብ ዝሓለፈት ስእሊ ዘላ ሓብቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ንተምሃሪታን ንኣርባዕተ መሓዙት ተምሃሪታን ትዛረበን።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቲ ብስራት ብቤተ ሰብን ብፈተውትን ኣቢሉ ብቕልጡፍ እዩ ተዘርጊሑ። (ዮሃ. 1:41, 42ሀ፣ ግብ. 10:24, 27, 48; 16:25-33) እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህሮም ተምሃሮ ወይ ንኻልኦት ግዱሳት፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር ዚደሊ ሰብ ትፈልጥዶ፧” ኢልካ ንምንታይ ዘይትሓትቶም። በዛ ማንም ኪጥቀመላ ዚኽእል ቀላል ሕቶ ኣቢልካ ኽንደይ መጽናዕትታት ከም እተጀምር መን ይፈልጥ፧

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ