መእተዊ
ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ኣብ ዘይብሉ ዓለም ክትነብር ትምነዶ፧ እዚ ንብዙሓት ባህ ዜብሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ግናኸ ሕልሚ ደርሆ እዩ ዚመስሎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ውግእ ደው ንምባል ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ስለምንታይ ከም ዝፈሸለ ይገልጽ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ኪሰፍን ከም ዚኽእልን እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዚፍጸምን ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ከም እትኽእል ይገልጽ እዩ።
ኣብዛ መጽሔት ዘለዋ “ውግእን” “ግጭትን” ዚብላ ቓላት፡ ዕጡቓት ጕጅለ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ዚገብርዎ ቓልሲ እየን ዜመልክታ። ስማት እቶም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ተቐዪሩ እዩ።