ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ግንቦት ገጽ 32
  • ዘይፍትሓውነት ምጽዋር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘይፍትሓውነት ምጽዋር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ብፈተና ኣይወደቐን
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
  • ‘ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር እኽእል፧’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • የሆዋ የቕንዓልካ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ግንቦት ገጽ 32

ፕሮጀክት መጽናዕቲ

ዘይፍትሓውነት ምጽዋር

ዘፍጥረት 37:23-28፣ 39:17-23 ኣንብብ እሞ፡ ካብቲ ዮሴፍ ንዘይፍትሓውነት እተጻወረሉ ዛንታ እንታይ ከም እትምሃር ርአ።

ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ መርምሮ። ንዮሴፍ ኣደዳ ግፍዒ ኸም ዚኸውን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 37:3-11፣ 39:1, 6-10) ንኽንደይ ዚኣከል ግዜ እዩ ዘይፍትሓዊ ተግባር ተጻዊሩ፧ (ዘፍ. 37:2፣ 41:46) ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሆዋ ንዮሴፍ እንታይ ገይሩሉ፧ ግናኸ እንታይ እዩ ዘይገበረሉ።—ዘፍ. 39:2, 21፣ w23.01 17 ¶13።

ኣዕሚቝካ ዅዓት። ዮሴፍ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ናይ ሓሶት ክሲ ምስ ቀረበሉ ኸም እተማጐተ ዚሕብር ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና። እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሴፍ ስቕ ኪብል ዝወሰነሉ ምኽንያት ክንርዳእ ወይ ኵሉ ዝርዝር ነጥብታት ስለምንታይ ኪግለጽ ከም ዘየድሊ ኽንፈልጥ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 20:2፣ ዮሃ. 21:25፣ ግብ. 21:37) ዮሴፍ ዘይፍትሓውነት ንምጽዋር እንታይ ባህርያት ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል፧—ሚክ. 7:7፣ ሉቃ. 14:11፣ ያእ. 1:2, 3።

ትምህርቲ ርኸብ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

  • ‘ከም ወደ መዝሙር የሱስ መጠን፡ እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክጽበ እኽእል፧’ (ሉቃ. 21:12, 16, 17፣ እብ. 10:33, 34)

  • ‘ከመይ ገይረ እየ ንዘይፍትሓውነት ንምጽዋር ክዳሎ ዝኽእል፧’ (መዝ. 62:7, 8፣ 105:17-19፣ w19.07 2-7)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ