ሕታም መጽናዕቲ
ነሓሰ 2020
ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦ 28 መስከረም–1 ሕዳር 2020
© 2020 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
እዚ ጽሑፍ እዚ ንመሸጣ እተዳለወ ኣይኰነን። ክፍሊ እቲ ፈቲኻ ብዚግበር ወፈያ ዚድገፍ ዓለምለኻዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ እዩ። ወፈያ ኽትገብር እንተ ደሊኻ፡ ኣብ donate.jw.org ርአ።
ፍልይ ዝበለ መግለጺ እተዋህቦ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኵሉ ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋት ካብቲ ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም እተወስደ እዩ።
ስእሊ ገበር፦
የሱስ ኣብ ሰማይ ቈይሙ ኣሎ። ኣብ ጥቓኡ ድማ ገሊኦም መጋዝእቱ ደው ኢሎም ኣለዉ። ብሓባር ነቶም ብዙሓት መላእኽቲ ይጥምትዎም ኣለዉ። ገሊኦም መላእኽቲ ዕዮኦም ንምፍጻም ናብ ምድሪ ይኸዱ ኣለዉ። የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ስእሊ ዚርኣዩ ዘለዉ ፍጡራት፡ ሓላፍነት ኣካፊልዎም እዩ (ዓንቀጽ መጽናዕቲ 32፡ ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)