ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w20 መጋቢት ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘እቶም ዋዕላ ኺእከቡ ጸውዑ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
w20 መጋቢት ገጽ 31
ፖሊስ ቤተ መቕደስ ኣይሁድ ብሃይማኖታውያን ተቓወምቲ ንእተኸስሱ ኽልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ የእትውዎም።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ፖሊስ ቤተ መቕደስ ኣይሁድ መን እዮም ነይሮም፧ እንታይ ሓላፍነታትከ እዩ ነይርዎም፧

ሓደ ኻብቲ እቶም ካህናት ዘይኰኑ ኣባላት ነገድ ሌዊ ዝነበሮም ብዙሕ ሓላፍነታት፡ ከም ፖሊስ ኴንካ ምግልጋል እዩ ነይሩ። እቶም ፖሊስ ከኣ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ሓለቓ ቤተ መቕደስ እዮም ነይሮም። ፊሎ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፊ ንሓላፍነት እዞም ፖሊስ እዚኦም ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ገለ ኻብዚኣቶም [ካብዞም ሌዋውያን] ኣብ መእተዊታት ሓለውቲ ኣፍ ደገታት ኰይኖም ይቘሙ ነይሮም፣ ገሊኦም ከኣ ኣብ ውሽጢ [ከባቢ ቤተ መቕደስ] ኣብ ቅድሚ እታ መቕደስ ዝዀነ ይኹን ዘይተፈቕደሉ ሰብ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ እግሩ ኸይረግጽ ይዓግቱ ነይሮም። ገሊኦም ድማ ለይትን መዓልቲ በብእብረ እናዞሩ ይሕልዉ ነይሮም።”

እቶም ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ዋዕላ ኣይሁድ እዮም ነይሮም። ሮማውያን ነዞም ኣይሁድ እዚኦም ጥራይ እዮም ኪዕጠቑ ፈቒዶምሎም ነይሮም።

ዮያኺም ያረሚያስ ዝስሙ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ “እቲ የሱስ ኪትሓዝ ከሎ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቐደስ እናመሃረ ኽነሱ ኸም ዘይሓዝዎ እተዛረቦ ወቐሳ (ማቴ. 26.55) ብዝነጸረ ኺርድኣና ዚኽእል፡ እቶም ኪሕዝዎ ዝመጹ ፖሊስ ቤተ መቕደስ እንተ ዀይኖም እዩ።” እዚ ጸሓፊ እዚ፡ እቶም ኣቐዲሞም ንየሱስ ኪሕዙ እተላእኩ እውን ፖሊስ ቤተ መቕደስ ከም ዝነበሩ ይኣምን እዩ። (ዮሃ. 7:32, 45, 46) ብዘይካዚ፡ እዞም ፖሊስ እዚኦም፡ እቶም ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ናብቲ ዋዕላ ኼምጽኡ ምስ ሓለቓኦም እተላእኩ ገላዉ እዮም። ንሃዋርያ ጳውሎስ ካብታ ቤተ መቕደስ ንወጻኢ ወጢጦም ኣብ ምውጻእ እውን ኢዶም ኣእትዮም ኪዀኑ ኣለዎም።—ግብ. 4:1-3፣ 5:17-27፣ 21:27-30።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ