7-13 ሓምለ
ምሳሌ 21
መዝሙር 98ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ንሕጉስ ሓዳር ዚኸውን ጥበባዊ ስርዓታት
(10 ደቒቕ)
ተሃዊኽካ ኣይትመርዖ (ምሳ 21:5፣ w03 15/10 4 ¶5)
ዘይምስምማዕ ኬጋጥም ከሎ ትሑት ኩን (ምሳ 21:2, 4፣ g 7/08 7 ¶2)
ንመጻምድትኻ ብትዕግስትን ብለውሃትን ሓዝ (ምሳ 21:19፣ w06 15/9 28 ¶13)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ምሳ 21:31—እዛ ፍቕዲ እዚኣ ነቲ ኣብ ራእይ 6:2 ዘሎ ትንቢት እተብርሃልና ብኸመይ እያ፧ (w05 15/1 17 ¶9)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ምሳ 21:1-18 (th መጽናዕቲ 5)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 3)
6. እምነትካ ምግላጽ
(5 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq ዓንቀጽ 54—ፍረ ነገር፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ፍትሕ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧ (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 3)
መዝሙር 132
7. መጻምድትኻ ኣኽብር
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ክትምርዖ ኸለኻ፡ ንመጻምድትኻ ኸተፍቅርን ከተኽብርን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቓል ኣቲኻ ኢኻ። ስለዚ፡ ንመጻምድትኻ እትሕዘሉ መገዲ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ይጸልዎ እዩ።—ምሳ 20:25፣ 1ጴጥ 3:7።
ነታ ሕጉስ ሓዳር፦ ኣኽብሮት ኣርኢ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦
ንመጻምድትኻ ምኽባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ብዝያዳ ኣኽብሮት ምእንቲ ኸነርኢ፡ እንታይ ለውጥታት ክንገብር የድልየና፧
ገለ ኻብቲ ኺሕግዘና ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
ገለ ኻብቲ ንመጻምድትና ኸነኽብረሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧
ኣበየናይ መዳይ መጻምድትና ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 28 ¶16-22