ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 መጋቢት ገጽ 14-15
  • 28 ሚያዝያ–4 ግንቦት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 28 ሚያዝያ–4 ግንቦት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 መጋቢት ገጽ 14-15

28 ሚያዝያ–4 ግንቦት

ምሳሌ 11

መዝሙር 90ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ኣይትዛረብ!

(10 ደቒቕ)

‘ንብጻይካ’ ኺጐድኦ ዚኽእል ዘረባ ኣይትዛረብ(ምሳ 11:9፣ w02 15/5 26 ¶4)

ዚኸፋፍል ዘረባ ኣይትዛረብ (ምሳ 11:11፣ w02 15/5 27 ¶2-3)

ምስጢር ኣይትቕላዕ (ምሳ 11:12, 13፣ w02 15/5 27 ¶5)

ክልተ ኣሕዋት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይዛራረቡ። እቲ ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ ናብኦም ዚመጽእ ዘሎ ሓው ኣሉታዊ ዘረባ ይዛረብ።

ንምስትንታን ዚኸውን፦ እቲ ኣብ ሉቃስ 6:45 ዘሎ ቓላት የሱስ፡ ጐዳኢ ዘረባ ኸነወግድ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 11:17—ሕያውነት ምርኣይ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ (g20.1 11፡ ሳጹን)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ምሳ 11:1-20 (th መጽናዕቲ 5)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣኼባ እተምሃርካዮ ምእንቲ ኽትነግሮ ኣጋጣሚ ኣናዲ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ቪድዮ ኣፋልጥ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር፡ ብኸመይ ከም ዚግበር ድማ ኣርኢ። (lmd ትምህርቲ 10 ነጥቢ 3)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 157

7. ልሳንካ ሰላም ክትዘርግ ኣይትፍቀደላ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ፍጹማት ስለ ዘይኰንና ብዘረባና ንጋገ ኢና። (ያእ 3:8) እንተዀነ ግና፡ ዘረባና እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣቐዲምና እንተ ሓሲብና፡ ካብ ጣዕሳ ንስተር ኢና። ገለ ኻብቲ ንሰላም ጉባኤ ኺዘርግ ዚኽእል ነገራት እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  • ጃህራ። እዚ ርእሰ ውዳሰ ስለ ዝዀነ፡ ውድድርን ቅንእን ኬለዓዕል ይኽእል እዩ።—ምሳ 27:2

  • ምትላል። እዚ ምሕሳው ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኰነ ኢልካ ዜስሕት ዘረባ ምዝራብ እውን የጠቓልል እዩ። ቍሩብ ምትላል እኳ፡ ሰባት ከም ዘይኣምኑና ኺገብሮምን ንጽቡቕ ስምና ኼበላሽዎን ይኽእል እዩ።—መክ 10:1

  • ሕሜት። እዚ ዘይጠቅም ዘረባ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ሰባትን ህይወቶምን ነቲ ሓቂ ምጥዋይ ወይ ምስጢሮም ምቕላዕ ማለት እዩ። (1ጢሞ 5:13) እዚ ኸኣ ናብ ባእስን ክፍፍልን ኪመርሕ ይኽእል እዩ

  • ቍጥዓ። እዚ ዘረባ እዚ፡ ንዘጕሃየና ሰብ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ብዝዀነ ስምዒት እንዛረቦ ዘረባ እዩ።(ኤፌ 4:26) እዚ ኸኣ ኪጐድእ ይኽእል እዩ።—ምሳ 29:22

“ሰላም ዚዘርግ ባህርያት ‘ቀንጥጥ’—ቍንጽል” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። 1. ኤሚሊን ሲልያን ኣብ ካፈ ፊት ንፊት ኮፍ ኢለን። ሲልያ ናይ ሄሊ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሞባይላ ትርኢ። 2. ሄሊ ንሲልያ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዘሎ መዐሸጊ ማኪና ትቝጥዓ።

ነታ ሰላም ዚዘርግ ባህርያት ‘ቀንጥጥ’—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ዘረባና ብቐሊሉ ንሰላም ጉባኤ ኺዘርግ ከም ዚኽእል ካብዛ ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧

ሰላም ብኸመይ ከም ዚሰፍን ንምፍላጥ፡ ‘ንሰላም ድለያ፡ ስዓባ እውን’ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 25 ¶14-21

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | ን2025 ኣኼባ ዞባ እተዳለወ መዝሙርን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ