ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb24 መጋቢት ገጽ 13
  • 22-28 ሚያዝያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 22-28 ሚያዝያ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
mwb24 መጋቢት ገጽ 13

22-28 ሚያዝያ

መዝሙር 32–33

መዝሙር 103ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ከቢድ ሓጢኣት ምንዛዝ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

(10 ደቒቕ)

ዳዊት፡ ምናልባት ነቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ኸቢድ ሓጢኣት ክሓብእ ምስ ፈተነ ተጨኒቑ እዩ (መዝ 32:3, 4፣ w93 15/3 9 ¶7)

ዳዊት ሓጢኣቱ ምስ ተናዘዘ የሆዋ ሓዲጉሉ እዩ (መዝ 32:5፣ cl 262 ¶8)

የሆዋ ንዳዊት ሓጢኣቱ ምስ ሓደገሉ እፎይታ ተሰሚዕዎ እዩ (መዝ 32:1፣ w01 1/6 30 ¶1)

ስእልታት፦ 1. ሓደ ኣዝዩ ዝጐሃየ መንእሰይ ሓው ገጹ ብኣእዳዉ ይሽፍን። 2. ንሱ ይጽሊ። 3. ምስ ክልተ ሽማግለታት ይራኸብ። 4. ንጹህ ሕልና ስለ ዝረኸበ ድማ ፍሽኽ ይብል።

ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና፡ ብትሕትና ጌጋና ተኣሚና ናብ የሆዋ ኽንናዘዝን ይቕረ ኺብለልና ኽንልምኖን ኣሎና። ካብቶም ብመንፈሳዊ ጥዑያት ክንከውን ዚሕግዙና ሽማግለታት እውን ሓገዝ ክንሓትት ኣሎና። (ያእ 5:14-16) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ካብ የሆዋ ዕረፍቲ ንረክብ።—ግብ 3:19።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 33:6—እቲ “መንፈስ” ኣፍ የሆዋ እንታይ እዩ፧ (w06 15/5 20 ¶2)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 33:1-22 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ትሕትና—ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧

(7 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ፡ ድሕሪኡ፡ ን​lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 1-2 ተመያየጡሉ።

5. ትሕትና—ንጳውሎስ ምሰሎ

(8 ደቒቕ) ኣብ lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 3-5 ኸምኡ እውን “ኣብዚ እውን ርአ” ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ።

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 74

6. ነታ ጉባኤ ዜድሊ

(15 ደቒቕ)

7. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 8 ¶22-24 ኣብ ገጽ 67 ዘላ ሳጹን

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 39ን ጸሎት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ