ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb24 መጋቢት ገጽ 2-3
  • 4-10 መጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 4-10 መጋቢት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
mwb24 መጋቢት ገጽ 2-3

4-10 መጋቢት

መዝሙር 16–17

መዝሙር 111ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “የሆዋ፡ ምንጪ ሰናየይ እዩ”

(10 ደቒቕ)

ምስቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ምትዕርራኽ የሐጕሰና (መዝ 16:2, 3፣ w18.12 26 ¶11)

ኣዕሩኽ የሆዋ ኸም ዝዀና ምፍላጥና ዕግበት የምጽኣልና (መዝ 16:5, 6፣ w14 15/2 29 ¶4)

መንፈሳዊ ዕቝባ የሆዋ፡ ድሕንነት ከም ዚሰምዓና ይገብር (መዝ 16:8, 9፣ w08 15/2 3 ¶2-3)

ክልተ ኣሓት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይተሓቛቘፋ። ኣብ ጥቓአን ዘለዉ ኻልኦት ድማ ባህ ይብሎም።

ከም ዳዊት ትርጉም ዘለዎ ህይወት እንነብር፡ ነቲ ምንጪ ሰናይ ዝዀነ የሆዋ ስለ እነምልኽ ኢና።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ህይወተይ ናብ ሓቂ ምስ መጻእኩ ዝሓሸ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 17:8—እተን ኣብዛ ፍቕዲ ዘለዋ “መርዓት ዓይንኻ” ዚብላ ቓላት እንታይ ትርጉም ኣለወን፧ (it-2 714)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 17:1-15 (th መጽናዕቲ 5)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(1 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ሃብ። (th መጽናዕቲ 11)

5. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ሃብ። እቲ በዓል ቤት ተገዳስነት ምስ ኣርኣየ፡ ነታ ሞት የሱስ ዘክር ዘርእስታ ቪድዮ ኣፋሊጥካ ተመያየጠላ። (th መጽናዕቲ 9)

6. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ሃብ። (th መጽናዕቲ 2)

7. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 14 መእተውን ነጥቢ 1-3ን (th መጽናዕቲ 6)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 20

8. ንበዓል ዝኽሪ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰደቓ ዘሎ ዘይበዅዐ ቕጫን ቀይሕ ወይንን።

ንየሱስ ክንእዘዞ ስለ እንደሊ፡ ኣብ ሰንበት 24 መጋቢት፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ ክልተ ዓበይቲ መግለጺ ፍቕሪ ዜጠቓልል፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ከነብዕል ኢና። (ሉቃ 22:19፣ ዮሃ 3:16፣ 15:13) ነዚ ፍሉይ በዓል ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧

  • ኣብ እዋን እቲ ወፈራ፡ ንሰባት ናብ ፍሉይ መደረን ናብ በዓል ዝኽርን ብውዕዉዕ ስምዒት ዓድሞም። ዝርዝር እቶም ክትዕድሞም እትደሊ ጸሓፍን ዓድሞምን። እቲ እትዕድሞ ኻብ ክልኻ ወጻኢ ዚነብር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቲ በዓል ኣብ ከባቢኡ ሰዓት ክንደይን ኣበይን ከም ዚብዓል ንምፍላጥ jw.org ተወከስ።

  • ኣብ መጋቢትን ኣብ ሚያዝያን ኣገልግሎትካ ብዝያዳ ኣዕዝዝ። 15 ወይ 30 ሰዓት ብምግልጋል ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእልዶ፧

  • ካብ 18 መጋቢት ጀሚርና ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ህይወት የሱስ ዘጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻመታት ከነንብብ ኢና። ካብቲ ኣብ ገጽ 6-7 ዚርከብ “መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ በዓል ዝኽሪ 2024”፡ ኣብ መዓልቲ ኽንደይ ከተንብብ ከም እትኽእል ክትውስን ትኽእል ኢኻ

  • ኣብ ዕለተ በዓል ዝኽሪ ነቲ ኣብ jw.org ዚርከብ ፍሉይ መደብ ኣምልኾ ርአ

  • ኣብቲ ብዓል ንሓደስትን ንዘይንጡፋትን ብውዕውዕ ስምዒት ተቐበሎም። ንሕቶታቶም ክትምልሰሎም ድሉው ኩን። ተገዳስነቶም ንምዅስኳስ ከኣ ቈጸራ ግበር

  • ቅድሚ እቲ በዓልን ድሕሪኡን፡ ብዛዕባ እቲ በጃ ኣስተንትን

ነታ ሞት የሱስ ዘክር ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

ኣብ እዋን ወፈራ በዓል ዝኽሪ፡ ነዛ ቪድዮ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 6 ¶18-24፡ ኣብ ገጽ 48 ዘላ ሳጹን

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 73ን ጸሎት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ