ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 መስከረም ገጽ 7
  • ንጽቡቕ ህዝቢ የሆዋ ዚዓይዩ ጓሶት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጽቡቕ ህዝቢ የሆዋ ዚዓይዩ ጓሶት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ከመይ ጌርና ኢና ንሓጥኣን ፍቕርን ምሕረትን እነርእዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ኣቱም ኣሕዋት፡ ሽማግለታት ኴንኩም ንምግልጋል ትመጣጠሩዶ ኣለኹም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 መስከረም ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ንጽቡቕ ህዝቢ የሆዋ ዚዓይዩ ጓሶት

ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ሰበ ስልጣን ኣሉታዊ ኣርኣእያ እዩ ዘለዎም። ከምኡ ኺስምዖም ዜገርም ኣይኰነን። ካብ ቀደም ጀሚሩ ሰባት ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ኪጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም። (ሚክ 7:3) ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ስልጣኖም ንጽቡቕ ህዝቢ የሆዋ ኺጥቀምሉ ዝሰልጠኑ ምዃኖም፡ ኣዚና ነማስወሉ ኢና።—ኣስ 10:3፣ ማቴ 20:25, 26።

ሽማግለታት ዘይከም እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰበ ስልጣናት ንዕዮ ሓላውነት ንየሆዋን ንህዝቡን ብዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም እዮም ዚጥቀሙሉ። (ዮሃ 21:16፣ 1ጴጥ 5:1-3) እዞም ጓሶት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ብምዃን፡ ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ዚዀኑ ኺስምዖምን ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኪዕቅቡን ይሕግዝዎም እዮም። ንኣባጊዕ የሆዋ፡ ህጹጽ ሕክምና ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ብቕልጡፍ መንፈሳዊ ሓገዝ ይህቡ እዮም። ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ፡ ከይተሰከፍካ ኣብ ጉባኤኻ ንዘሎ ሽማግለ ኸተዛርቦ ትኽእል ኢኻ።—ያእ 5:14።

“ንመጓሰ ዚሓልዩ ጓሶት” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእሊ።ሓደ ሽማግለ ንኤልያስ ተሓጒሱ ይሓቝፎ።

ነታ ንመጓሰ ዚሓልዩ ጓሶት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ማርያና ኻብቲ ሽማግለታት ዝሃብዋ ሓገዝ እተጠቕመት ብኸመይ እያ፧

  • ኤልያስ ካብቲ ሽማግለታት ዝሃብዎ ሓገዝ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧

  • እዚ ተመክሮታት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ሽማግለታት ዚዓይይዎ ዕዮ ንዘሎካ ኣርኣእያ ብኸመይ ጸልይዎ፧

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ምስ ሓደ ሽማግለ ክትራኸብ ተበግሶ ውሰድ፦

  • ኣድራሻ እንተ ቐይርካ

  • ኣጸጋሚ ፈተና እንተ ኣጋጢሙካ

  • ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዘይትህሉ እንተ ዄንካ

  • ኣብ ሆስፒታል ትድቅስ ወይ ከቢድ ሕክምና ትገብር እንተ ዄንካ

  • ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ