ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ሓምለ ገጽ 3
  • “ነቲ ብስራት ክማጐተሉን ብሕጊ ኽስርቶን”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ነቲ ብስራት ክማጐተሉን ብሕጊ ኽስርቶን”
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ብስራት ብሕጋዊ መገዲ ምክልኻል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ሓምለ ገጽ 3
ስእልታት፦ 1. ጋትያ ባርነትን ማርያ ባርነትን። 2. ሓውና ኮኪናኪስን ካልኦትን ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ። 3. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤት ፍርዲ ሮስቶቭ ሩስያ። 4. ጕጅለ ኣሕዋት ኣብ ኣፍ ደገ ቕዋማዊ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ።

ኣብ መንጎ ኮኪናኪስን ግሪኽን ዝነበረ ኽርክር፦ Droit reserve

ካብ ላዕሊ ጸጋም ከመ ሰዓት፦ ኣብ መንጎ ወስት ቪርጂንያ ስቴት ቦርድ ኦቭ ኢዱኬሽንን ባርነትን ዝነበረ ኽርክር፣ ኣብ መንጎ ኮኪናኪስን ግሪኽን ዝነበረ ኽርክር፣ ታጋንሮግ ሎሮን ካልኦትን ምስ ሩስያ ዝነበረ ኽርክር፣ ቻንን ካልኦትን ምስ ደቡብ ኮርያ ዝነበረ ኽርክር

ክርስትያናዊ ህይወት

“ነቲ ብስራት ክማጐተሉን ብሕጊ ኽስርቶን”

ተጻረርቲ ንእስራኤላውያን ካብ ዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ደው ኬብልዎም ምስ ፈተኑ፡ እቶም ሃነጽቲ ንሕጋዊ መሰላቶም ኪጥቀምሉ ጽዒሮም እዮም። (እዝ 5:11-16) ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ፡ ንዕዮ እቲ ብስራት ኪመጐትሉን ብሕጊ ኺስትርቱን ይጽዕሩ እዮም። (ፊል 1:7) ከምዚ ንምግባር ድማ 1936 ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሕጊ ቘይሙ እዩ። ሎሚ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ክፍሊ ሕጊ፡ ንዓለምለኻዊ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክልኻል ይዓዪ እዩ። እዚ ኽፍሊ እዚ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕን ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጥቃምን እንታይ ይሰረሕ ኣሎ፧

ነታ ዑደት እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ክፍሊ ሕጊ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ንሕጊ ዚምልክት ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም ነይሩ፧

  • እንታይ ሕጋዊ ዓወታት ኢና ረኺብና፧ ኣብነት ሃብ

  • ‘ነቲ ብስራት ንምምጓትን ብሕጊ ንምስራትን’ ነፍሲ ወከፍና እንታይ እጃም ከነበርክት ንኽእል፧

  • ኣብ ወብሳይትና ብዛዕባ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጸሉ ሕጋዊ ምዕባለታትን ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ እምነቶም እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣበይ ሓበሬታ ንረክብ፧

ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣገልግሎት ክትካፈል ከለኻ፡ ሕጊ ኸም ዝጠሓስካ ሰበ ስልጣን እንተ ሓቢሮምኻ፡ ነቲ ጕዳይ ባዕልኻ ብምይይጥ ክትፈትሖ ኣይትጽዓር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኡብኡ ብትሕትና ኽትእዘዝ ኣሎካ። ስብከት ደው ከተብል ዝኣዘዘካ ፖሊስ እንተ ዀይኑ፡ እንተ ተኻኢሉ ብሜላ ወረቐት መንነቱ ኽትርኢ ጽዓር። ድሕሪኡ፡ ብኡብኡ ንሽማግለታት ሓብሮም፡ ንሳቶም ድማ ተወሳኺ ሓገዝ ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪራኸቡ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ