ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 መጋቢት ገጽ 3
  • ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ ድዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ኣገልግሎት ረድኤት
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 መጋቢት ገጽ 3

ክርስትያናዊ ህይወት

ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧

ሎሚ ባህርያዊ ሓደጋታት እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ረድኤት ንምቕራብ እተወደበ ጻዕሪ ምግባር ኣድላዪ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ኵሉ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ክፍሊ ዕዮ ረድኤት ኪህሉ ምድላዋት ገይሩ እዩ።

ኣብዚ ኽፍሊ ዚዓይዩ ኣሕዋት ሓደጋ ኸም ዘጋጠመ ምስ ሰምዑ፡ ኣስፋሕቲ እንታይ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ንምፍላጥ ብኡብኡ ምስ ሽማግለታት ይራኸቡ እዮም። እቲ ሓደጋ ኻብ ዓቕሚ እቶም ኣስፋሕቲ ንላዕሊ እንተ ዀይኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ንዕዮ ረድኤት ብሓላፍነት ዚከታተሉ ብቑዓት ኣሕዋት ኪምድብ እዩ። እዞም ኣሕዋት፡ ወለንተኛታት ወይ ዜድሊ ወፈያ ይሓትቱ ይዀኑ፡ ወይ ከኣ ኣድላዪ ነገራት ይዕድጉን የከፋፍሉን ይዀኑ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላዋት ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ከመይሲ፡ ኣሕዋት ብገዛእ ርእሶም ከምዚ ምስ ዚገብሩ ንዚፍጠር ዘየድሊ ጻዕርን ምድንጋራትን ብኽነት ገንዘብን ኣቝሑትን ከይህሉ ይገብር።

እዞም ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተመደቡ ኣሕዋት፡ ንዕዮ ረድኤት ክንደይ ገንዘብን ክንደይ ወለንተኛታትን ከም ዜድሊ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ እዚ ዕዮ ረድኤት ምእንቲ ኺሰልጥ፡ ኣሕዋት ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰበ ስልጣናት ኪራኸቡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ብብሕቲ ኸይተሓተቱ ገንዘብ ኪእክቡ፡ ረድኤት ኪልእኹ ወይ ከኣ ናብቲ እተጐድአ ቦታ ኪኸዱ የብሎምን።

እንተ ዀነ ግና፡ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም ክንሕግዝ ንደሊ ኢና። (እብ 13:16) ንኣሕዋትና ንፈትዎም ኢና! እሞ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ቀንዲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር፡ ነቶም ግዳያት ሓደጋን ነቶም ረድኤት ዚህቡን ምጽላይ እዩ። ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ ገንዘብ ወፈያ እውን ክንገብር ንኽእል ኢና። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣመሓዳሪ ኣካል ብምዃን እዚ ወፈያታት እዚ ኣብ ግቡእ መዓላ ኺውዕል ኪውስን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ብውልቂ ኽንሳተፍ እንተ ደሊና፡ ነታ መመልከቲ ወለንተኛታት ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸት (DC-50) እትብሃል ፎርም ብምምላእ ድሉዋት ምዃንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

ነታ ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

“ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይ” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣብ ላዕሊ ዄንካ ብማይ ዘዕለቕለቐ ኣባይትን ኣግራብን ይርአ።

ኣብ 2020 ኣብ ብራዚል ምዕልቕላቕ ማይ ምስ ኣጋጠመ፡ ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረድኤት ንምቕራብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዝመሰጠካ ኣየናይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ