ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 ግንቦት ገጽ 11
  • ንትምኒታትካ ተቘጻጸሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንትምኒታትካ ተቘጻጸሮ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሽጋራን ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ብዛዕባ ምትካኽ ክፈልጦ ዘሎኒ እንታይ እዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኣምላኽ ንምትካኽ ሽጋራ ብኸመይ ይርእዮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 ግንቦት ገጽ 11

ክርስትያናዊ ህይወት

ንትምኒታትካ ተቘጻጸሮ

ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ንትምኒታትና ኽንቈጻጸሮ ቐጻሊ ቓልሲ የድልየና እዩ። ንትምኒታትና እንተ ዘይተቘጻጺርናዮ፡ ስምረት የሆዋ ኼስእነና ይኽእል እዩ። ንኣብነት ገሊኣቶም፡ ንምግቢ፡ ንኽዳውንቲ፡ ንመጽለሊ ዘለዎም ትምኒት ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንላዕሊ ኪኸውን ፈቒዶም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ንፍትወት ስጋኦም ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ብዚጋጮ መገዲ የርውዩ እዮም። (ሮሜ 1:26, 27) ካልኦት ከኣ፡ ኪፍተዉ ወይ ብኻልኦት ተቐባልነት ኪረኽቡ ዘለዎም ትምኒት፡ ብጸቕጢ መዛኑ ኸም ዚስነፉ ገይርዎም እዩ።—ዘጸ 23:2።

ትምኒታትና ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ንኽእል፧ እቲ ዚበለጸ መገዲ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ብምትኳር እዩ። (ማቴ 4:4) ብዘይካዚ፡ ንትምኒታትና ምእንቲ ኽንቈጻጸሮ ንየሆዋ ኽንልምኖ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ንዓና ዝሓሸ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ግቡኡ ትምኒታትና ኸነዕግብ ከም እንኽእልን ይፈልጥ እዩ።—መዝ 145:16።

ነታ ሽጋራ ብምትካኽ ዕምርኻ ኣይተሕጽር ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • “ሽጋራ ብምትካኽ ዕምርኻ ኣይተሕጽር” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ብሓንቲ ማሽን ምስ ሓለፉ ሽጋራ ምትካኽ ዚጅምሩ ባምቡላታት።

    ስለምንታይ እዮም ገሊኦም ሰባት ሽጋራ ዜትክኹ፧

  • “ሽጋራ ብምትካኽ ዕምርኻ ኣይተሕጽር” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሽጋራ ናይ ዜትክኽ ሳምባ ብርቱዕ ሰዓል ይስዕል።

    ሽጋራ ምትካኽ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧

  • “ሽጋራ ብምትካኽ ዕምርኻ ኣይተሕጽር” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓደ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ዝሓዘ ኣዝዩ ገዚፍ ነጋዳይ ንሓንቲ ሰበይቲ ብዘንጊ መቝለብ ዓሳ ገይሩ የህርራ።

    ሽጋራን ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ምትካኽ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—2ቈረ 7:1

  • “ሽጋራ ብምትካኽ ዕምርኻ ኣይተሕጽር” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓንቲ ጐርዞ ኣብ ናሕሲ ገዛ ዀይና ናብ ብሩህ ሰማይ ትጥምት።

    ሽጋራ ምትካኽ ክትኣቢ ትኽእል ኢኻ።

    ሽጋራ ምትካኽ ክትኣቢ ወይ ሽጋራ ምትካኽ ክትሓድጎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ