ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ የሆዋ እንእመነሉ ሰለስተ መገዲ
ዳዊት ኣብ የሆዋ ስለ እተኣመነ ንጐልያድ ስዒርዎ እዩ። (1ሳሙ 17:45) የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ብርታዐኡ ኼርእዮም ይደሊ እዩ። (2ዜና 16:9) ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ተመክሮን ክእለትን ዘይኰነስ፡ ኣብቲ የሆዋ ንዓና ንምሕጋዝ ዝገበሮ መሰናድዎ ኽንእመን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ መገዲ ንርአ፦
ኣዘውቲርካ ጸሊ። ጌጋ ምስ ፈጸምካ ኺሕደገልካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ እውን ብርታዐ ንምርካብ ጸሊ። (ማቴ 6:12, 13) የሆዋ ነቲ ኣቐዲምካ ዝወሰንካዮ ውሳነ ኺባርኸልካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ እውን ጥበብን መምርሕን ምእንቲ ኺህበካ ጸሊ።—ያእ 1:5
መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብን ናይ ምጽናዕን ልማድ ይሃሉኻ። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። (መዝ 1:2) ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት ኣስተንትን፣ ነቲ ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ድማ ተግብሮ። (ያእ 1:23-25) ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ተመክሮ ኣብ ክንዲ እትውከል ኣጸቢቕካ ተዳሎ። ካብ ኣኼባታት ጉባኤ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀም ኣቐዲምካ ተዳሎ
ምስ ውድብ የሆዋ ተሓባበር። ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ እዋናዊ መምርሒ ኣስተብህለሉ ብኡብኡ ድማ ስዓቦ። (ዘሁ 9:17) ሽማግለታት ምኽርን መምርሕን ኪህቡ ኸለዉ ስምዓዮም።—እብ 13:17
ነታ መስጐጕቲ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
• ነቶም ኣሕዋትን ኣሓትን እንታይ ዜፍርህ ነገራት እዩ ኣጋጢምዎም፧
• ንፍርሆም ኪዋጽእሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧