ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሕማቕ ዕርክነት ኪርሕቑ ሓግዞም
ተምሃሮኹም ምስ የሆዋ ዕርክነት ምእንቲ ኺምስርቱ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪመርጹ ኣለዎም። (መዝ 15:1, 4) ከመይሲ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ይጸልውዎም እዮም።—ምሳ 13:20፣ lff ትምህርቲ 48።
ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሕማቕ ዕርክነት ኪርሕቑ ኽትሕግዞም ከለኻ፡ ደንጋጺ ኹን። ካብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣዕሩኾም ንምፍላይ ይኸብዶም ይኸውን። ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ እዋን እውን ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርእዮም። ነዚ ድማ ተክስት ብምጽሓፍ፡ ተሌፎን ብምድዋል፡ ወይ ብኣካል ብምብጻሕ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ተምሃሮኻ ዕቤት እናገበሩ ምስ ከዱ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዚገብርዎ ምትእኽኻብ ክትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ዝሓደግዎ ንላዕሊ ይረኽቡ ኸም ዘለዉ ብንጹር ኪርእዩ እዮም። (ማር 10:29, 30) ንስኻ እውን ስድራ ቤት የሆዋ ትስስን ከም ዘላ ምስ ረኣኻ ኽትሕጐስ ኢኻ።
ነታ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ኻብ ሕማቕ ዕርክነት ኪርሕቑ ሓግዞም ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ሕማቕ ዕርክነት እንታይ እዩ፧—1ቈረ 15:33
ጀድ ንክርስትያናዊ ምትእኽኻብ ኣብ ኣእምሮኣ ዝሰኣለቶ ብኸመይ እያ፧
ኒታ፡ ጀድ ንሕማቕ ዕርክነት ብጥዑይ ዕርክነት ክትእኮ ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧