ክርስትያናዊ ህይወት
ኣሓት ኪመጣጠራ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧
ኣሓት ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ክቡር እጃም ኣለዋን። (መዝ 68:11) ሓያሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓ፣ ካብ ስሩዓት ፈለምቲ ዚበዝሓ ድማ ንሳተን እየን። ኣሽሓት ትጉሃት ኣሓት ቤት-ኤላውያን፡ ሚስዮናውያን፡ ወለንተኛታት ዕዮ ህንጸት ወይ ኣገልግልቲ ዕዮ ህንጸት ከምኡ እውን ተርጐምቲ ዀይነን ይዓይያ እየን። ብሱላት ኣሓት ንስድራ ቤተንን ንጉባኤታትን የተባብዓ እየን። (ምሳ 14:1) ኣሓት፡ ሽማግለ ጉባኤ ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ኪዀና ዘይክእላ እኳ እንተ ዀና፡ ኣብ ጉባኤ ኻልእ ሸቶታት ኬውጽኣ ግና ይኽእላ እየን። ሓብቲ እንተ ዄንኪ፡ ኣብ ምንታይ መዳያት ክትመጣጠሪ ትኽእሊ፧
ብዙሕ ተመክሮ ንዘይብለን ኣሓት ምሕጋዝ።—ቲቶ 2:3-5
ኣብ ኣገልግሎት ውጽኢታዊ ምዃንን ኣብኡ ዝያዳ ግዜ ምሕላፍን
ካልእ ቋንቋ ምምሃር
ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ምግዓዝ
ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ወይ ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጸት ንምሕጋዝ ምምልካት
ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሃር ምምልካት
ነታ “ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ኣንስቲ” ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦
እዘን ኣሓት እተዛረባኦ ሓሳብ ብኸመይ ኣተባቢዑካ፧