ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ጥቅምቲ ገጽ 5
  • ኣቱም መንእሰያት፡ የሆዋ ናይ ቀረባ ዓርክኹም ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቱም መንእሰያት፡ የሆዋ ናይ ቀረባ ዓርክኹም ድዩ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣምላኽ ዓርኩ ንኽትከውን ይዕድመካ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸመይ ዝበለ እዩ፧
    ንቕሑ!—2014
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ጥቅምቲ ገጽ 5
ሓደ መንእሰይ ሓው ኮፍ ኢሉ፡ ኣብ ሰደቓኡ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ይገብር።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣቱም መንእሰያት፡ የሆዋ ናይ ቀረባ ዓርክኹም ድዩ፧

ዓርክኻ እንታይ ባህርያት ኪህልዎ ኢኻ እትደሊ፧ ተኣማንነትን ለውሃትን ልግስን ኣኽቢርካ እትርእዮ ባህርያት ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ዅለን እዘን ባህርያት ኣለዋኦ። (ዘጸ 34:6፣ ግብ 14:17) ናብኡ ኽትጽሊ ኸለኻ ይሰምዓካ እዩ። ሓገዝ ኣብ ዜድልየካ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይሕግዘካ እዩ። (መዝ 18:19, 35) ንጌጋኻ ይሓድገልካ እዩ። (1ዮሃ 1:9) የሆዋ ኸመይ ዝበለ ተፈታዊ ዓርኪ ዀን እዩ!

ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ቃሉ ብምንባብ ብዛዕባኡ ተምሃር። ብእኡ ተኣመን። (መዝ 62:8፣ 142:2) ነቲ ኸም ወዱ፡ መንግስቱ፡ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ተስፋታቱ ዝኣመሰለ ንየሆዋ ዜገድሶ ነገራት ኣኽቢርካ ርኣዮ። ብዛዕባኡ ንኻልኦት ንገር። (ዘዳ 32:3) ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት እንተ ኣማዕቢልካ፡ ንሱ እውን ንዘለኣለም ዓርክኻ ኪኸውን እዩ።—መዝ 73:25, 26, 28።

ነታ ኣቱም መንእሰያት—“የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን” ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ኣቱም መንእሰያት—የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእልታት። ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ቕድሚ ምግባራ ትጽሊ።

    ንወፈያን ንጥምቀትን ክትዳሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  • ካብታ ‘ኣቱም መንእሰያት—የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእልታት። ሓደ ፈላሚ ሓው ንሓደ ቛንቋ ካረን (ስጋው) ዚዛረብ መንእሰይ ጥቕሲ የንብበሉ።

    ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት፡ ንየሆዋ ኸተገልግሎ ኺሕግዙኻ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

  • ካብታ ‘ኣቱም መንእሰያት—የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእልታት። ሓገዝ ዓበይቲ ዚደሊ መንእሰይ ሓው ምስ ሓደ ኣረጋዊ ሓው የገልግል።

    ኣገልግሎት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

  • ካብታ ‘ኣቱም መንእሰያት—የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእልታት። ሓንቲ ሓብቲ ብእግሪ ኽልተ ሰዓታት ተጓዒዛ፡ ንሓንቲ ጽምምቲ መጽናዕቲ ትመርሓላ።

    ምስ የሆዋ ዘለኣለማዊ ዕርክነት ኪህልወካ ይኽእል እዩ!

    ኣብ ምንታይ መዳያት ኣገልግሎት ክትካፋል ትኽእል፧

  • ብዛዕባ የሆዋ እትፈትዎ እንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ