31 ነሓሰ–6 መስከረም
ዘጸኣት 21-22
መዝሙር 141ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ንህይወት ከምቲ የሆዋ ዚርእያ ጌርካ ርኣያ”፦ (10 ደቒቕ)
ዘጸ 21:22, 23—የሆዋ ንህይወት ዘይተወልደ ዕሸል ኣኽቢሩ ይርእዮ (lvs 95 ¶16)
ዘጸ 21:28, 29—የሆዋ ንድሕንነትና ኽንጥንቀቕ ይደልየና (w10 4/15 29 ¶4)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)
ዘጸ 21:5, 6—እዘን ፍቕድታት እዚአን፡ ክርስትያናዊ ወፈያ ዜምጽኣልና ጥቕሚ ዜብርሃ ብኸመይ እየን፧ (w10 15/1 4 ¶4-5)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘጸ 21:1-21 (th መጽናዕቲ 5)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ናብ ኣኼባታትና ዓድሞ። (th መጽናዕቲ 2)
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣፋሊጥካ ተመያየጠላ። (th መጽናዕቲ 20)
መደረ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) w09 1/4 31—ፍረ ነገር፦ የሆዋ፡ ኣቦ ዘኽታማት። (th መጽናዕቲ 19)
ክርስትያናዊ ህይወት
ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ኣኽብራ፦ (10 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕተቶም፦ ኣብ እዋን ጥንሲ እንታይ ከቢድ ጸገማት እዩ ኼጋጥም ዚኽእል፧ ዘጸኣት 21:22, 23 ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እንታይ ትብል፧ ንየሆዋ ባህ ዜብል ውሳነ ንምውሳን፡ እምነትን ትብዓትን ኣድለይቲ ዝዀና ስለምንታይ እየን፧ ተስፋ ትንሳኤ ዜጸናንዕ ብኸመይ እዩ፧
ወፈያ ዜምጽኣልና ጥቕሚ፦ (5 ደቒቕ) ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2010 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4-7 ተመርኵስካ ዚቐርብ መደረ። ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርእሶም ወፍዮም ኪጥመቑ ኣተባብዓዮም።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ምዕ. 80
መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
መዝሙር 101ን ጸሎትን