15-21 ሰነ
ዘፍጥረት 48-50
መዝሙር 30ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ዜካፍሉና ብዙሕ ነገር ኣለዎም”፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 48:21, 22—ያእቆብ፡ ዘርኡ ንከነኣን ከም ዚወርስዋ እምነት ነበሮ (it-1 1246 ¶8)
ዘፍ 49:1—እምነት ያእቆብ በቲ ቐቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት ተራእያ (it-2 206 ¶1)
ዘፍ 50:24, 25—ዮሴፍ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም እምነት ነበሮ (w07 1/6 28 ¶10)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 49:19—እቲ ያእቆብ ብዛዕባ ጋድ እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ ተፈጺሙ፧ (w04 1/6 15 ¶4-5)
ዘፍ 49:27—እቲ ያእቆብ ብዛዕባ ብንያም እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ ተፈጺሙ፧ (it-1 289 ¶2)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘፍ 49:8-26 (th መጽናዕቲ 5)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ቪድዮ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ፣ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦ እቶም ኣስፋሕቲ ምስክርነት ንምሃብ እተሓጋገዙ ብኸመይ እዮም፧ ንሕናኸ፡ ምስክርነት ክንህብ ከለና ልክዕ ከማታቶም፡ እምነትና ብዘርኢ መገዲ ኽንዛረብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ልሙድ ንዝዀነ ተቓውሞ ድማ ስገሮ። (th መጽናዕቲ 6)
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ነታ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ ኣበርክት እሞ፡ ንምዕራፍ 9 ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (th መጽናዕቲ 16)
ክርስትያናዊ ህይወት
“ካብ ምኩራት ክርስትያናት እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧”፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ኣብ ትሕቲ እገዳ ሓድነትና ሓሊና ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ምዕ. 69
መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
መዝሙር 40ን ጸሎትን