8-14 ሰነ
ዘፍጥረት 46-47
መዝሙር 86ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ካብ ጥሜት ምዕንጋል”፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 47:13—ኣብ ግብጽን ኣብ ከነኣንን ብርቱዕ ጥሜት ኰነ (w87 1/5 15 ¶2)
ዘፍ 47:23-25—ካብቲ ሎሚ ዘሎ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ኽትጥቀም ጻዕሪ ይሓትት (kr 234-235 ¶11-12)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 46:4—ዮሴፍ ‘ኢዱ ኣብ ኣዒንቲ ያእቆብ ኣንቢሩ’ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (it-1 220 ¶1)
ዘፍ 46:26, 27—እቶም ካብ ቤት ያእቆብ ናብ ግብጺ ዚኣተዉ ሰባት ቍጽሮም ክንደይ እዩ ነይሩ፧ (nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 7:14)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘፍ 47:1-17 (th መጽናዕቲ 10)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ቪድዮ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦ እቲ ኣስፋሒ፡ ውጽኢታዊ ሕቶታት እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧ ንኣወዓዕላ እታ ጥቕሲ ኣነጺሩ ዝገለጸኸ ብኸመይ እዩ፧
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ሕታም ኣበርክት። (th መጽናዕቲ 3)
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ነታ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ ኣበርክት እሞ፡ ንምዕራፍ 9 ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (th መጽናዕቲ 14)