16-22 ታሕሳስ
ራእይ 13-16
መዝሙር 55ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ነቶም ዜፍርሁ ኣራዊት ኣይትፍርሃዮም”፦ (10 ደቒቕ)
ራእ 13:1, 2—እቲ ገበል ነቲ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊት ስልጣን ሃቦ (w12 15/6 8 ¶6)
ራእ 13:11, 15—እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ንምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፡ ህይወት ሃቦ (re 194 ¶26፣ 195-196 ¶30-31)
ራእ 13:16, 17—ንማሕተም እቲ ኣራዊት ኣይትቀበሎ (w09 15/2 4 ¶2)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ራእ 16:13, 14—ኣህዛብ “ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ዚእከቡ ብኸመይ እዮም፧ (w09 15/2 4 ¶5)
ራእ 16:21—እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ቀቅድሚ ምጥፍኣ እንታይ መልእኽቲ ኢና ኽንእውጅ፧ (w15 15/7 16 ¶9)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ራእ 16:1-16 (th መጽናዕቲ 10)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ቪድዮ ቐዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያን ተመያየጡላን።
ቀዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ተጠቐመሉ። (th መጽናዕቲ 2)
ቀዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ነታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣፋሊጥካ ተመያየጠላ። (ነታ ቪድዮ ኣይትወልዓያ) (th መጽናዕቲ 11)
ክርስትያናዊ ህይወት
“ገለልትነትካ ሓሉ”፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ብሓሳብን ብግብርን ገለልትነትካ ሓሉ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ “ካብ ማሕበራዊ ጕዳያት ወይ መንግስታዊ ፖሊሲታት ገለልተኛ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧” ኢልካ ሕተት። ቀጺልካ፡ ነታ ወትሩ ገለልትነትካ ሓሉ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ “ገለልትነካ ንዚፍትን ኵነታት ክትዳሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧” ኢልካ ሕተት።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ምዕ. 44
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 59ን ጸሎትን