ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ነሓሰ ገጽ 5
  • ኣቱም መንእሰያት—‘ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት’ ኩኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቱም መንእሰያት—‘ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት’ ኩኑ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ፈላሚ ዄንካ ብምግልጋል ንየሆዋ ወድሶ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ኣብቲ ካብ ፓይነራት ዝድለ ሰዓታት እተገብረ ለውጢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ነሓሰ ገጽ 5

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣቱም መንእሰያት—‘ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት’ ኩኑ

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ናብ ቲቶስ ዝለኣኻ ደብዳበ፡ ኣጕባዝ፡ እንተላይ ቲቶስ፡ “ብዅሉ ነገር ኣርኣያ ሰናይ ግብሪ” ምእንቲ ኪዀኑ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ጽሒፉሎም እዩ። (ቲቶ 2:6, 7) ጸኒሑ ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ህዝቢ የሆዋ “ንሰናይ ግብሪ ዚቐንኡ” ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኪነጽሁ ኸም ዘለዎም ሓቢሩ እዩ። (ቲቶ 2:14) ሓደ ኻብቲ ሰናይ ግብሪ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምምሃርን እዩ። መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ንሓይልኻ ሓጋዚ ፈላሚ ወይ ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ንምግልጋል ክትጥቀመሉ ትኽእልዶ፧—ምሳ 20:29።

ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ብኸመይ ከም እትበጽሖ ዚሕግዘካ ኣብ ክውንነት እተመስረተ መደብ ኣውጽእ። (ሉቃ 14:28-30) ንኣብነት፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትካፈል ከለኻ ንርእስኻ ብገንዘብ ክትድግፍ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነቲ ሓደ ፈላሚ ኼማልኦ ዘለዎ ሰዓት ብኸመይ ኢኻ እተማልእ፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ጸሊ። (መዝ 37:5) ብዛዕባ መደብካ ምስ ወለድኻን ምስቶም ዕዉታት ፈለምትን ተመያየጠሉ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሸቶኻ ንምብጻሕ ስጕምትታት ውሰድ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል እትገብሮ ቕንኣት ዝመልኦ ጻዕርኻ ብርግጽ ኪባርኾ እዩ።

ነታ ንየሆዋ ዜኽብርዎ መንእሰያት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገሊኦም ፈለምቲ ዀይኖም ምእንቲ ኼገልግሉ እንታይ ብድሆታት እዮም ሰጊሮም፧ ከምኡ ዝገበሩኸ ብኸመይ እዮም፧

  • ወለዲ፡ ደቆም ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ምእንቲ ኼገልግሉ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

  • ንስብከት መደብ ከተውጽእ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣባላት ጉባኤ ንፈለምቲ ኼተባብዕዎምን ኪሕግዝዎምን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

  • እቶም ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ፡ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ብዛዕባ ፈላምነት ንኣቦኣ ተዛራርቦ፣ ሓደ መንእሰይ ሓው ንርእሱ ዚኸውን መደብ የውጽእ፣ መንእሰይ ዝዀነት ሓንቲ ፈላሚት ሓብቲ ምስ ካልእ ሓብቲ ተገልግል፣ ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ

ነቲ ፈላሚ ዀይነ ናይ ምግልጋል ሸቶይ ክበጽሖ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ