ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ታሕሳስ ገጽ 6
  • 24-30 ታሕሳስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 24-30 ታሕሳስ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ታሕሳስ ገጽ 6

24-30 ታሕሳስ

ግብሪ ሃዋርያት 17-18

  • መዝሙር 78ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • “ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ንሃዋርያ ጳውሎስ ምሰሎ”፦ (10 ደቒቕ)

    • ግብ 17:2, 3—ጳውሎስ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ይዛራረብን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ ይምህርን ነይሩ (nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ)

    • ግብ 17:17—ጳውሎስ፡ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ይሰብኽ ነይሩ (nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ)

    • ግብ 17:22, 23—ጳውሎስ የስተብህልን ሓባራዊ ባይታ የንብርን ነይሩ (nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ግብ 18:18—ጳውሎስ ብዛዕባ እተመባጽዖ መብጽዓ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ (w08 15/5 32 ¶5)

    • ግብ 18:21—መንፈሳዊ ሸቶታት ክንስዕብ ከለና ንጳውሎስ ክንመስሎ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧ (nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ግብ 17:1-15

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ካልኣይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ተጠቐመሉ። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣፋሊጥካ ተመያየጠላ። (ነታ ቪድዮ ኣይትወልዓያ)

  • ሳልሳይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ናይ ርእስኻ ጥቕሲ ምረጽ። ድሕሪኡ፡ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕታም ዓድል።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) jl ትምህርቲ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 70

  • ነቲ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ስበኽን ምሃርን፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት፦ ጳውሎስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ሰቢኹ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተት፦ ኣብታ ቪድዮ ዘለዉ ስድራ ቤት ኣገልግሎቶም ዚፍጽሙሉ መገዲ ኼመሓይሹ ኸም ዜድልዮም እተገንዘቡ ብኸመይ እዮም፧ ነየናይ መዳያት ኣገልግሎት ሃዋርያ ጳውሎስ እዮም ቀዲሖም፧ ከም ውጽኢቱኸ እንታይ በረኸት እዮም ረኺቦም፧ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ክትጥቀሙሉ እትኽእሉ እንታይ ሓሳባት ረኺብኩም፧

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ገጽ 6-7

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 13 ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ