ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ምስክርነት ናብ ምሃብ ኪመርሓካ ብዚኽእል ዝርርባት ጀምር
የሱስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝርርብ ብምጅማሩ፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኣቢሉ ኺምስክረላ ኽኢሉ እዩ። ምስ ዘይንፈልጦም ሰባት ዝርርባት ኣብ ምጅማር ክእለትና ኸነመሓይሽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ተቐራቢ ብምዃን ንሰባት ኣዘራርቦም። የሱስ ደኺሙ እኳ እንተ ነበረ፡ ዚስተ ማይ ኪውሃቦ ብምሕታት ዝርርቡ ጀመረ። ስለዚ፡ ፈለማ ምውቕ ሰላምታ ብምሃብ፡ ድሕሪኡ ምናልባት ብዛዕባ ዅነታት ኣየር፡ ወይ ድማ ብዛዕባ እዋናዊ ፍጻመታት ሓሳብ ብምሃብ ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ዝርርብ ንምጅማር ጥራይ ከም ዝዀነ ኣይትረስዕ፣ ስለዚ፡ ነቲ ሰብ ኬገድሶ ብዛዕባ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ርእሰ ጉዳይ ተዛረብ። እቲ ሰብ ምላሽ እንተ ዘይሂቡካ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ዝኸሰርካዮ የብልካን። ከም ብሓድሽ ምስ ካልእ ሰብ ምዝርራብካ ቐጽል። ትብዓት ኪህበካ ድማ ንየሆዋ ለምኖ።—ነህ 2:4፣ ግብ 4:29።
ነቲ ብስራት ከተፋልጥ ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ድለ፣ ከምዚ ኽትገብር ከለኻ ግና ኣይትተሃወኽ። ነቲ ዝርርብ ባህርያዊ ግበሮ። እቲ ሰብ ኪሰምዓካ ጸቕጢ ኣይትግበረሉ፣ ከመይሲ፡ ኪጭነቕን ምሳኻ ምዝርራብ ኪሓድጎን ይኽእል እዩ። ምስክርነት ቅድሚ ምሃብካ እቲ ዝርርብ እንተ ተቛሪጹ፡ ኣይትተሓለል። ብዛዕባ ብስራት ምዝራብ ዜፍርሃካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ምስክርነት ክትህብ ዕላማ ኸይገበረካ ዝርርባት ከተጀምር ተለማመድ። [ንቪድዮ 1 ወልዓያን ተመያየጡላን።]
ብዛዕባ እምነትካ ልባዊ ዝዀነ ሓሳብ ብምሃብ ነቲ ሰማዒኻ ዝያዳ ሕቶታት ኪሓትት ሃንቀውታ ብምሕዳር ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ኽትፈጥር ጽዓር። የሱስ እታ ሰበይቲ ኸም እትሓትት ኪገብራ ዚኽእል ሃንቀውታ ዜሕድር ሓሳባት ተዛረበ። ብዛዕባ ብስራት ኣብ ዘፋለጠሉ እዋን፡ ንሕቶታታ ጥራይ እዩ ዚምልሰላ ነይሩ። [ ንቪድዮ 2 ወልዓያን ተመያየጡላን ድሕሪኡ፡ ንቪድዮ 3 ወልዓያን ተመያየጡላን።]