ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ነሓሰ ገጽ 7
  • የሱስ ምእንቲ ሓውካ እውን እዩ ሞይቱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ምእንቲ ሓውካ እውን እዩ ሞይቱ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ሓድነት ንዓቅብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሓሳብ ክርስቶስ ይሃልኹም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ን“ንኣሽቱ” ኣይትዓንቅፍ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ካብ ልቢ ይቕረ በሉ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ነሓሰ ገጽ 7
የሱስ ንሰዓብቱ ይዛረቦም

ክርስትያናዊ ህይወት

የሱስ ምእንቲ ሓውካ እውን እዩ ሞይቱ

የሱስ ምእንቲ ዘይፍጹማት ሰባት፡ ህይወቱ ሰዊኡ እዩ። (ሮሜ 5:8) የሱስ ምእንታና ህይወቱ ብምሃብ ፍቕሩ ስለ ዘርኣየና ብብሕትና ኸም እነማስወሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሓድሓደ እዋን ግና፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓውና እውን ከም ዝሞተ ንርእስና ኸነዘኻኽራ የድልየና ይኸውን። ነቶም ከምዚ ኸማና ፍጹማት ዘይኰኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ፍቕሪ ኸነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሰለስተ መገዲ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ነቶም ካብ ናትና እተፈልየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኣሕዋትና እውን ኣዕሩኽ ምእንቲ ኽንገብሮም ፍቕርና ኸነግፍሕ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:7፣ 2ቈረ 6:12, 13) ካልኣይ፡ ንኻልኦት ኬጕሂ ዚኽእል ነገር ከይንዛረብ ወይ ከይንገብር ክንጥንቀቕ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 14:13-15) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ሓደ ሰብ እንተ በዲሉና፡ ቀልጢፍና ኽንሓድገሉ ንኽእል ኢና። (ሉቃ 17:3, 4፣ 23:34) በዚ መገዲ እዚ ንየሱስ ክንመስሎ ሓያል ጻዕሪ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ንጉባኤና ሰላምን ሓድነትን ብምሃብ ኪባርኻ እዩ።

ነታ የጸብቐልካ! ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሚኪ ኣብ ሓዳስ ጉባኤኣ ይቕበልዋ

    ሚኪ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ ጉባኤኣ እንታይ ተሰሚዕዋ ነይሩ፧

  • ሚኪ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ብዚገብርዎ ነገር ትሓርቕ

    ኣተሓሳስባኣ ኽትቅይር ዝደረኻ እንታይ እዩ፧

  • የሱስ ዋላ እኳ ሃዋርያቱ እንተ ደቀሱ፡ ሕያውነት የርእዮም

    ኣብነት የሱስ ንሚኪ ኣመለኻኽታኣ ኸተዐሪ ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧ (ማር 14:38)

  • ሚኪ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ነቲ እትሰትዮ ዝነበረት ነገር ናብ ክዳና ምስ ደፍኣላ ትስሕቕ

    ምሳሌ 19:11፡ ንክርስትያናት ብጾትና ብኣወንታዊ መገዲ ኽንርእዮም ኽትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ እያ፧

ንምስትንታን ዚኸውን፦

ዕሽሽ ኢለ ኽሓልፎ ዝኽእል ኣብ ልዕለይ እተፈጸመ በደል ኣሎዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ