ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ግንቦት ገጽ 4
  • እምነት ዜደልድል ራእይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እምነት ዜደልድል ራእይ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስቶስ ትርኢቱ ተለወጠ—ብኽብሩ ተራእየ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ትንቢት ኵሉ ናብ ክርስቶስ የተኵር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓል ኣቕልበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ‘ብልብኻ ኣቕልበሉ’!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ግንቦት ገጽ 4

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማርቆስ 9-10

እምነት ዜደልድል ራእይ

9:1-7

ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ተኣምራዊ ምልዋጥ ይርእዩ

የሱስ ኣብ እዋን እቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኸም ዚሰምሮ ኺገልጸሉ ኸሎ እንታይ ከም እተሰምዖ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እዚ ንየሱስ ነቲ ስዒቡ ዜጋጥሞ መከራ ኺጻወሮ ኸም ዝሓገዞ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ እዚ ራእይ እዚ፡ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ሓያል ጦብላሕታ ኣሕዲሩሎም እዩ። የሱስ ብሓቂ እቲ መሲሕ እዩ ነይሩ፣ ንዕኡ ምስማዖም ድማ ቅኑዕ እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ኣስታት 32 ዓመት ጸኒሑ፡ እቲ ፍጻመ ዘሕደረሉ ጦብላሕታን ኣብቲ “ትንቢታዊ ቓል” ንዘለዎ እምነት ብኸመይ ከም ዘደልደለሉን ዘኪሩ እዩ።—2ጴጥ 1:16-19።

ዋላ እኳ ነዚ መሳጢ ራእይ እዚ ብብሕትና እንተ ዘይረኣናዮ፡ ፍጻመኡ ግና ክንምስክር ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ሕጂ የሱስ ሓያል ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ነታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም መገዲ ብምጽራግ “ዓወቱ ኺፍጽም” እዩ።—ራእ 6:2፡ እ.ጽ.።

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ከሎ ብምርኣይካ እምነትካ ዝደልደለት ብኸመይ እያ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ