ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ታሕሳስ ገጽ 5
  • ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ እተወሰኸ ሓድሽ መሰናድዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ እተወሰኸ ሓድሽ መሰናድዎ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝተክኽ ፈትሊ ተጥፍእዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ክርስቶስ ብዓወት ናብ የሩሳሌም ኣተወ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ንጉስ ኣብ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ሀ7-ሸ ቀንዲ ፍጻመታት ምድራዊ ህይወት የሱስ—የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት (1ይ ክፋል)
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ታሕሳስ ገጽ 5
ወንጌል ማቴዎስ ኣብቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ሕታም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ እተወሰኸ ሓድሽ መሰናድዎ

ካብ ጥሪ 2018 ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ፡ ካብቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ሕታም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም (nwtsty)፡ ነጥብታት መጽናዕትን ሚድያን ኪውሰኽ እዩ። ዋላ እውን እዚ ሕታም መጽናዕቲ እዚ ብቛንቋኻ ኣይሃሉ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ኺውሰድ እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ ግና፡ ንኣኼባ ኣብ እትገብሮ ምድላዋት ብዝበለጸ ኸም ዚጠቕመካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ናብቲ ፈቃር ዚዀነ ኣቦና የሆዋ፡ ብዝያዳ ኽትቀርብ ኪሕግዘካ እዩ።

ነጥብታት መጽናዕቲ

እዚ ነጥብታት መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብዙሕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ባህልታትን ቦታታትን ቋንቋን ብዝርዝር ኪገልጸልና እዩ።

ማቴዎስ 12:20

ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ዚጥቀምሉ ዝነበሩ መብራህቲ፡ ዘይቲ ኣውልዕ ዚምላእ ንእሽቶ ኣቕሓ መሬት እዩ ነይሩ። ፈትሊ ልሕጺ እንጣጢዕ ነቲ ሃልሃልታ፡ ዘይቲ የስትዮ ነበረ። እተን፡ “ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ ናይ ግሪኽኛ ቃላት፡ ሃልሃልታ ምስ ጠፍአ፡ በቲ ዝተረፈ ቝልዒ ሓዊ ንእትተክኽ ፈትሊ እያ ተመልክት። ኢሳይያስ 42:3 ብዛዕባ እቲ የሱስ ዜርእዮ ርሕራሐ እያ እትንበ። የሱስ ነታ ንትሑታትን ንግፉዓትን ሰባት ዝተረፈቶም ናይ መወዳእታ ጩራ ተስፋ ኸም ዘየጥፍኣ ድማ እያ እተመልክት።

ማቴዎስ 26:13

ብሓቂ፦ እታ ብግሪኽኛን ብእብራይስጥን ኣሜን እትብል ቃል፡ “ይኹን፡” “እማን፡” ወይ “ብርግጽ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። የሱስ ሓደ ሓሳብ ቅድሚ ምዝራቡ፡ ቃል ቅድሚ ምእታዉ፡ ወይ ትንቢት ቅድሚ ምዝራቡ፡ ብተደጋጋሚ ነዛ ቓል እዚኣ ይጥቀመላ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ እቲ እተዛረቦ ነገር ምሉእ ብምሉእ ሓቅን ዜተኣማምንን ምዃኑ የረጋግጽ። እቲ የሱስ ነታ “ብሓቂ” ወይ ኣሜን እትብል ቃል እተጠቕመሉ መገዲ፡ ኣብ ካልእ ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ጽሑፍ ኣይርከብን እዩ። የሱስ ብተኸታታሊ ኣሜን፡ ኣሜን ዚብላ ቓላት ኪጥቀም ከሎ፡ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ዘሎ “ብሓቂ፡ ብሓቂ” ተባሂሉ ተተርጕሙ ኣሎ።—ዮሃ 1:51።

ሚድያ

ፎቶግራፋትን ስእልታትን ደሃይ ኣልቦ ቪድዮታትን እተፈላለየ ኣኒሜሽንን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ብዛዕባ ዘሎ ነገራት ዝርዝር ሓበሬታ ኺህበና እዩ።

ቤት-ፋጌን ደብረ ዘይቲን የሩሳሌምን

እዛ ሓጻር ቪድዮ እዚኣ፡ ንየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ፡ ማለት ካብታ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢት-ቱር እትብሃል፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ቤት-ፋጌ ኸም ዝዀነት እትሕሰብ ቍሸት ተበጊሱ ናብ ጫፍ ደብረ ዘይቲ ዚወስድ መገዲ እያ እተርእየና። ቢታንያ ብሸነኽ ምብራቕ ቤት-ፋጌ፡ በቲ ኻብ ደብረ ዘይቲ ንምብራቕ ዚወርድ ቍልቍለት ትርከብ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፡ ኣብ ቢታንያ እዮም ዚሓድሩ ነይሮም። ቢታንያ ኣብዚ ግዜና፡ ብዓረብኛ ኣል-ዓዘርያ (ኣል-ዒዘርያ) ትብሃል፣ ትርጉሙ ድማ፡ “ዓዲ ኣልኣዛር” ማለት እዩ። የሱስ ኣብ እንዳ ማርታን ማርያምን ኣልኣዛርን ይሓድር ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴ 21:17፣ ማር 11:11፣ ሉቃ 21:37፣ ዮሃ 11:1) የሱስ ካብ ገዛኦም ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ በታ ኣብ ቪድዮ ዝረኣናያ መገዲ እዩ ተጓዒዙ ኪኸውን ዚኽእል። ብ9 ኒሳን 33 ድ.ክ. ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ኻብ ደብረ ዘይቲ ናብ የሩሳሌም ኣብ ዝወረደሉ እዋን፡ ካብ ቤት-ፋጌ ተበጊሱ በዚ ናብ የሩሳሌም ዚወስድ መገዲ ኣቢሉ ሓሊፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

የሱስ ካብ ቢታንያ ናብ የሩሳሌም ዝኸደሉ ኪኸውን ዚኽእል መገዲ
  1. ካብ ቢታንያ ናብ ቤት-ፋጌ እትወስድ መገዲ

  2. ቤት-ፋጌ

  3. ደብረ ዘይቲ

  4. ስንጭሮ ቄድሮን

  5. ከረን እታ ቤተ መቕደስ

ኣብ ሸዀና እተሰመረ መስማር

መስማር እተሰመሮ ሸዀና ሰብ

እዛ ስእሊ እዚኣ፡ 11.5 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓታ መስማር ሓጺን፡ ሸዀና ሰብ ኣብ ዚመስል ስርሓት ኢድ ተሰሚራ ኸላ እያ እተርኢ። እቲ መበቈላዊ ስርሓት ኢድ፡ ብ1968 ኣብ ሰሜናዊ የሩሳሌም ኣብ እተገብረ ስነ ጥንታዊ ፍሕረት እዩ ተረኺቡ፣ ብግዜ ሮማውያን ዝነበረ ድማ እዩ። ሰባት ኣብ ጕንዲ ብመስማር ተሸንኪሮም ይስቀሉ ኸም ዝነበሩ ዜረጋግጽ ስነ ጥንታዊ መርትዖ ኸኣ እዩ። እዚ መስማር እዚ፡ ምስቲ ወተሃደራት ሮሜ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጕንዲ ንምሽንካር እተጠቕሙሉ መስማር ተመሳሳሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዛ እተሰመረት ሸዀና እተርኢ ስርሓት ኢድ፡ ስጋኡ መሽሚሹ ኣዕጽምቲ ጥራይ ዝተረፎ ሬሳ ኣብ እተቐመጠሉ ኻብ እምኒ እተሰርሐ ሳጹን ሬሳ እያ ተረኺባ። እዚ ድማ፡ ሓደ ኣብ ጕንዲ እተሰቕለ ሰብ፡ ድሕሪኡ ኪቕበር ከም ዚኽእል ይሕብረና።—ማቴ 27:35።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ