30 ጥቅምቲ–5 ሕዳር
ዮኤል 1-3
መዝሙር 77ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ እዮም”፦ (10 ደቒቕ)
[መእተዊ ዮኤል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]
ዮኤ 2:28, 29—ቅቡኣት ክርስትያናት ኣፈኛታት የሆዋ ዀይኖም የገልግሉ (w02 1/8 15 ¶4-5፣ jd-E 167 ¶4)
ዮኤ 2:30-32—ኣብታ እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ፡ እቶም ስሙ ዚጽውዑ ጥራይ ይድሕኑ (w07 1/10 13 ¶2)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ዮኤ 2:12, 13—ብዛዕባ ናይ ሓቂ ንስሓ፡ ካብዘን ፍቕድታት እንታይ ንምሃር፧ (w07 1/10 13 ¶5)
ዮኤ 3:14—“ስንጭሮ ውሳነ” እንታይ እዩ፧ (w07 1/10 13 ¶3)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ዮኤ 2:28–3:8
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ካርድ ኣድራሻ JW.ORG
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ካርድ ኣድራሻ JW.ORG—እታ ካርድ ኣብ ዝሓለፈ ምብጻሕ ተዓዲላ ነይራ እያ። ነቲ ዝርርብ ቀጽሎ፡ ኣብ jw.org ካብ ዚርከብ ቪድዮታት ሓንቲ ብምልላይ ድማ ዛዝም።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) lv 196-197 ¶3-5
ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ፈተናታት ንምጽዋር ይሕግዘና፦ (9 ደቒቕ) ነታ የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ ዀይኑለይ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕተቶም፦ ስድራ ቤት ሄንሸል እንታይ ፈተናታት እዩ ኣጋጢምዎም፧ እምነትን ንጽህናን ወለዲ ንውሉዳት ብኸመይ ይጸልዎም፧ የሆዋ ኸምቲ ንሄንሸል ዘበርትዖ፡ ንዓኻ እውን ኬበርትዓካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ዓርኪ የሆዋ ኹን—ስም የሆዋ፦ (6 ደቒቕ) ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ስም የሆዋ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ኣቐዲምካ ዝሓረኻዮም ቈልዑ ናብ መድረኽ ዓዲምካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕተቶም፦ ስም የሆዋ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ እንታይ እዩ ፈጢሩ፧ የሆዋ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) kr ምዕ. 2 ሕ.ጽ. 35-40፡ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኸም ናይ ሓቂ ጌርካ እትርእያ፧” ዘርእስታ ሳጹንን “መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንግስቲ”፣ “ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተወልደትሉ ግዜ እተዳለዉ” ዘርእስቱ ሰሌዳታትን
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 69ን ጸሎትን