ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 መጋቢት ገጽ 4
  • 20-26 መጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 20-26 መጋቢት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 መጋቢት ገጽ 4

20-26 መጋቢት

ኤርምያስ 8-11

  • መዝሙር 86ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • “ደቂ ሰብ ኣሳልጦ ኺረኽቡ ዚኽእሉ፡ መምርሒ የሆዋ ምስ ዚስዕቡ ጥራይ እዩ”፦ (10 ደቒቕ)

    • ኤር 10:2-5, 14, 15—ኣማልኽቲ ኣህዛብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እዮም (it-1-E 555)

    • ኤር 10:6, 7, 10-13—የሆዋ ጥራይ እዩ ናይ ሓቂ ኣምላኽ (w04 1/10 11 ¶10)

    • ኤር 10:21-23—ደቂ ሰብ ብዘይ መምርሒ የሆዋ ኣሳልጦ ኺረኽቡ ኣይክእሉን እዮም (w15 1/9 15 ¶1)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ኤር 9:24—እንታይ ዓይነት ሓበንን ኵርዓትን እዩ ጽቡቕ ኪብሃል ዚኽእል፧ (w13 15/1 20 ¶16)

    • ኤር 11:10—ሰማርያ ብ740 ቅ.ክ. ወዲቓ ኽነሳ፡ ኤርምያስ ኣብቲ ዝኣወጆ ኣዋጅ ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ ዝጠቐሳ ስለምንታይ እዩ፧ (w07 15/3 9 ¶2)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ኤር 11:6-16

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽርን ገበር wp17.2ን—ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር።

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽርን ገበር wp17.2ን—ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ld ገጽ 4-5 (እቲ ተምሃራይ ኣየናይ ስእሊ ምምይይጥ ኪግበረሉ ኸም ዘለዎ ኺመርጽ ይኽእል እዩ።)—ናብ በዓል ዝኽሪ ዓድሞ።

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 72

  • “ንኣምላኽ ስምዓዮ—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ”፦ (15 ደቒቕ) ብዛዕባ እታ ዓንቀጽ ንሓሙሽተ ደቒቕ ብምምይያጥ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ነታ ኣብ ገጽ 8ን 9ን እታ ብሮሹር እተመስረተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምራሕ ከሎ እተርኢ ቪድዮ ወልዓያን ተመያየጡላን። እቲ ተምሃራይ ነታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ይጥቀም፣ እቲ መምህር ድማ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር ይጥቀም። ንዅሎም ኣስፋሕቲ ነታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር ሒዞም ኪከታተሉ ኣተባብዓዮም።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) ia ምዕ. 11 ሕ.ጽ. 1-11

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 8ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ