ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ጥቅምቲ ገጽ 8
  • ንካርድታት ኣድራሻ JW.ORG ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንካርድታት ኣድራሻ JW.ORG ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ደም ንኽንክልከል ዝሕግዘና ምድላው
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ንቐንዲ ገጽ JW.ORG ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ ንJW.ORG ተጠቐመሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ጥቅምቲ ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ንካርድታት ኣድራሻ JW.ORG ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ሰብ ካርድ ኣድራሻ jw.org ይህቦ

እቲ ዓብዪ ጸበባ እናቐረበ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዕዮ ስብከትና ህጹጽ እዩ። (ምሳ 24:11, 12, 20) ንሰባት ንምሕጋዝ፡ ኣቓልቦኦም ናብ ቃል ኣምላኽን ናብ ወብ ሳይትናን ምእንቲ ኺገብሩ ንካርድታት ኣድራሻ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። እቲ ካርድ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ናብ ዘርእስታ ቪድዮ ዚመርሕ ኮድ ኣለዎ፣ ብዘይካዚ ሓደ ሰብ ዝያዳ ሓበሬታ ኺረክብ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ እንተ ደልዩ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል እውን ይሕብር እዩ። ገሊኦም ሰባት ጽሑፋት ኪወስዱ ዘይደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንወብ ሳይትና ኺርእይዎ ግና ፍቓደኛታት እዮም። ካርድ ኣድራሻ ኻብ ምሃብ ሰጋእ መጋእ ኣይትበል። ይኹን እምበር፡ ተገዳስነት ንዘየርኣዩ ሰባት ኣይትሃቦም።

መዓልታዊ ንጥፈታትካ ኽትገብር ከለኻ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ተገዳስነት ሓደ ሰብ ከተለዓዕል ትኽእል ኢኻ፦ “ኪህበካ ዝደለኹ ሓደ ነገር ኣሎኒ። እዚ ካርድ እዚ፡ ብናጻ ኽትረኽቦ እትኽእል እተፈላለየ ርእሰ ነገራት ዝሓዘ ሓበሬታን ቪድዮታትን ናብ ዘለዎ ወብ ሳይት ይመርሓካ።” (ዮሃ 4:7) እቲ ካርድታት ኣድራሻ ናእሽቱ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዝረኸብካዮ ዘበለ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኽትዕድሎ እተወሰነ ካርድታት ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

ንካርድ ኣድራሻ ኣብዚ ዚስዕብ ኣጋጣሚታት ዓድሎ፦

  • ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ኣብ እትምስክረሉ እዋን

  • ኣብ ቦታ ንግድ ኣብ እትምስክረሉ እዋን

  • ንመልእኽትና ኺሰምዕ ዚደሊ፡ ጽሑፋትና ኺወስድ ግና ዘይደሊ ሰብ ምስ ዜጋጥመካ

ኣብ ካርድ ኣድራሻ jw.org ዚርአ እተቐልዐ መጽሓፍ ቅዱስ
ኣብ ካርድ ኣድራሻ jw.org ዘሎ ስእሊ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓሎም ከሎ የርኢ
ዳሕረዋይ ገጽ ካርድ ኣድራሻ jw.org

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ