ክርስትያናዊ ህይወት
ንሓደ ዓመት ክትፍትኖ ትኽእልዶ፧
እንታይ ኢኻ ኽትፍትን፧ ስሩዕ ፈላሚ ምዃን። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢኻ ኽትረክብ!—ምሳ 10:22።
ፈላሚ ምስ እትኸውን፡ ነዚ ዚስዕብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦
ክኢላ ወንጌላዊ ትኸውን፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ድማ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ
ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ይድልድል። ብዛዕባኡ ንኻልኦት ዝያዳ ብእተዛረብካ መጠን፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ዝያዳ ትዘኻኸር
ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብካን ጥቕሚ ርእስኻ ሰዊእካ ንኻልኦት ብምግልጋልካን፡ ሓጐስን ዕግበትን ትረክብ።—ማቴ 6:33፣ ግብ 20:35
ኣብ እዋን ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ምስ ፈለምቲ ኣብ ዚግበር ኣኼባን ምስ ኣኼባ ወረዳ ተተሓሒዙ ኣብ ዚግበር ፍሉይ ኣኼባን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምትን ንምክፋል ኣጋጣሚ ትረክብ
መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምርን ክትመርሕን ዝያዳ ኣጋጣሚ ትረክብ
ከማኻ ምስ ዝኣመሰሉ ሰበኽቲ ግዜ ተሕልፍ፡ ንሓድሕድኩም ከኣ ትተባብዑ።—ሮሜ 1:11, 12