ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዜ ልዕሊ 10,000 ኰይኑ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ፡ 10,020 ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ሂቦም። ቍጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ፡ 1940 በጺሑ እዩ፣ ልዕሊ 300 ፍሉያት ፈለምቲ ድማ ኣለዉና። ብጠቕላላ፡ 214 ጉባኤታትን 34 ጕጅለታትን ኣለዋ፣ ካብተን ጉባኤታት፡ እተን 71 ኣብ ኣዲስ ኣበባ እየን ዚርከባ። እዚ ጸብጻብ እዚ ዜሐጕስ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብዚ መወዳእታ እናቐረበ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን ኪሽፈን ዜድልዮ ኣዝዩ ሰፊሕ ክሊ እዩ ዘሎና። ስለዚ እምበኣር፡ ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ቦታ ንኺግዕዙ ፈትዮም ኪመጹ ተስፋ ንገብር። እቶም ዛጊት ነዚ ውሳነ እዚ ዝገበሩ ኸኣ ብዙሕ በረኸት ይዓጽዱ ኣለዉ።