ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 30 ሰነ 2014 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
መዘናግዒ ኣብ እንመርጸሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ዘጸኣት 23:2 ተመዝጊቡ ዘሎ ስርዓት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [5 ግን፡ w11 15/7 ገጽ 10-11 ሕ.ጽ. 3-7]
እቲ ኻህናት ንየሆዋ መስዋእቲ ቕድሚ ምቕራቦም ኪሕጸቡ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ትእዛዝ፡ ክሳዕ ክንደይ እዩ ረዚን ነይሩ፧ እዚኸ ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ሓያል መዘኻኸሪ ዀይኑ ዜገልግል ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 30:18-21) [19 ግን፡ w96 1/7 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 9]
ኣሮን፡ ምራኽ ወርቂ ብምስራሑ ዘይተቐጽዐ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘጸ. 32:1-8, 25-35) [19 ግን፡ w04 15/3 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 4]
ክርስትያናት ንወረዘን ንሓዳርን ዘለዎም ኣረኣእያ ምስቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ጓኖት ከይምርዓዉ ዝሃቦም ትእዛዝ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 34:12-16) [26 ግን፡ w89 1/11 ገጽ 20-21 ሕ.ጽ. 11-13]
ተመክሮ በሳልኤልን ኦሆልያብን ብፍላይ ንዓና ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧ (ዘጸ. 35:30-35) [26 ግን፡ w10 15/9 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 13]
እቲ ሊቀ ካህናት እስራኤል ኣብ ልዕሊ መጠምጠምያኡ ዚገብሮ ዝነበረ “ቅዱስ ኣኽሊል፡” ናይ ምንታይ መዘኻኸሪ እዩ ነይሩ፧ እዚ ምልክት እዚኸ ብዛዕባ ወፈያ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ዘጸ. 39:30) [2 ሰነ፡ w01 1/2 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 2-3]
ኵሎም ክርስትያናት፡ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻዮም ንዝፈጸሞ ኸቢድ ጌጋ ብዛዕባ ምንጋር እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ (ዘሌ. 5:1) [9 ሰነ፡ w97 15/8 ገጽ 27]
ብግዜ እስራኤላውያን ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ምስጋና፡ እንታይ ኣገዳሲ ግደ እዩ ነይርዎ፧ እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ሎሚ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ዘሌ. 7:31-33) [16 ሰነ፡ w12 15/1 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 11-12]
እቶም ናዳብን ኣቢሁን ዚብሃሉ ደቂ ኣሮን፡ እንታይ ሓጢኣት እውን እዮም ፈጺሞም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ ካብዚ ጸብጻብ እዚኸ እንታይ መለበሚ ዝዀነና ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ (ዘሌ. 10:1, 2, 9) [23 ሰነ፡ w04 15/5 ገጽ 22 ሕ.ጽ. 6-8]
ሓንቲ ሰበይቲ ውላድ ምስ ወለደት ‘እትረክስ’ ስለምንታይ እያ፧ (ዘሌ. 12:2, 5) [23 ሰነ፡ w04 15/5 ገጽ 23 ሕ.ጽ. 2]