ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ጸብጻብ ዝሃቡ 1,885 ስሩዓት ፈለምቲ ምንባሮም፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ነዚ ቝጽሪ እዚ፡ ቍጽሪ ፍሉያት ፈለምቲ እንተ ደኣ ደሚርናሉ፡ ዳርጋ ሓደ ርብዒ ናይ ኵሎም ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣለዉ ማለት እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ካልኦት ኣስፋሕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ እዮም። ነዚ ሰናይ ዝዀነ መንፈስ ፈላምነት ቀጽልዎ።
ብዘይካዚ፡ ኣብቲ እተገብረ 24 ኣኼባታት ኣውራጃ፡ 17,057 ዚኸውን ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብትን 297 ተጠመቕትን ምንባሮም ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ።