ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ዮናስ
1. ዮናስ እንታይ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ነይርዎ፧
1 ብዛዕባ ነብዪ ዮናስ ክትሓስብ ከለኻ፡ ናብ ኣእምሮኻ ዚመጸካ እንታይ እዩ፧ ገሊኣቶም ከም ፈራሕ ወይ ከም ጨካን ገይሮም ይሓስብዎ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ትሕትናን ትብዓትን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ኣርእዩ እዩ። ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ዮናስ “ከም ኣርኣያ” ጌርና ኽንወስዶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ያእ. 5:10።
2. ነታ ዮናስ ዘርኣያ ትሕትና ኽንቀድሓ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ትሕትና፦ ዮናስ ኣብ ፈለማ፡ ነቲ እተመደበሉ ኽሊ ሓዲጉ፡ ናብ ካልእ ኣንፈት ሃደመ። ከምዚ ምግባሩ ዜገርም ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ኣሶራውያን ዕሉላት ዓመጸኛታት እዮም ነይሮም፡ ነነዌ ድማ “ከተማ ደም” ተባሂላ እያ እትጽዋዕ ነይራ። (ናሆ. 3:1-3) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዮናስ ገሰጾ፣ ዮናስ ግና ነቲ ንኻልኣይ ግዜ እተዋህቦ ዕዮ ብምቕባሉ፡ ትሑት ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ምሳ. 24:32፣ ዮና. 3:1-3) ፈለማ ኣድሓርሒሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ፍቓድ የሆዋ ፈጺሙ እዩ። (ማቴ. 21:28-31) ንሕናኸ፡ ተግሳጽ እንተ ተዋሂቡና ወይ ድማ ኣብ ኣጸጋሚ ኽሊ ንዓዪ እንተ ሃሊና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ቈሪጽና ዲና፧
3. ትብዓትን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ዜድልዮ ኣየናይ መዳያት ኣገልግሎት እዩ፧
3 ትብዓትን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን፦ ዮናስ፡ እቲ ዝገበሮ ሕማቕ ውሳነ፡ ንህይወት እቶም ባሕረኛታት ኣብ ሓደጋ ኸም ዜውድቖ ምስ ተገንዘበ፡ ህይወቱ ንምስዋእ ፍቓደኛ ዀነ። (ዮና. 1:3, 4, 12) ጸኒሑ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ንምፍጻም ናብ ነነዌ ምስ ከደ፡ ፍርዲ የሆዋ ንምእዋጅ ዚምሽእ ቦታ ንምርካብ ናብ ማእከል እታ ኸተማ ተጓዕዘ። እዚ ተግባራት እዚ ድማ፡ ሓደ ፈራሕ ሰብ ዚፍጽሞ ዘይኰነስ፡ ሓደ ተባዕ ነብዪ ኣምላኽ ዚፍጽሞ እዩ። (ዮና. 3:3, 4) ሎሚ ዘለና ኣገልገልቲ ኣምላኽከ፧ ምጽራር እናኣጋጠመ ኽነሱ ሓያል ምስክርነት ንምሃብ፡ ኣምላኽ ዚህቦ ትብዓት የድልየና እዩ። (ግብ. 4:29, 31) ግዜኻን ጥሪትካን ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓል፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣድላዪ እዩ።—ግብ. 20:24።
4. ግዜ መዲብና፡ ነቲ ነብያት የሆዋ ዝሓደግዎ ሰናይ ኣርኣያ ኸነስተንትነሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ብዛዕባ ሓደ ኻብቶም ነብያት የሆዋ ዚገልጽ ጸብጻብ ኣብ እተንብበሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ ንርእስኻ ኣብቲ ዅነታት ተእትዋ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ክትጥቀም ኢኻ። ንርእስኻ፡ ‘ኣነ እንተ ዚኸውን ነይረ እንታይ ምገበርኩ፧ ኣብ ህይወተይ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ክቐድሖ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ኢልካ ሕተታ። (እብ. 6:11, 12) ኣብተን ቀጺለን ዚወጻ ዓንቀጻት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ካብ ካልኦት እሙናት ነብያት የሆዋ ኽንመሃሮ እንኽእል ካልእ ኣገዳሲ ትምህርትታት ክንምርምር ኢና።