ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
መጽሓፍ ዓመት 2013
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፦
እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ፡ ብሉጽ መርኣያ ፍቕሪ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል። (1 ዮሃ. 4:8) የሆዋ ዋላ እኳ ዅሉ ዚኽእል እንተ ዀነ፡ ቃሉ ግና “ኣምላኽ ሓይሊ እዩ” ኣይብልን። ስርዓታቱ ብቐንዱ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ እዩ። እዚ ፍቕሪ ድማ እዩ ናብኡ ኸም እንሰሓብ ዚገብረና።
የሆዋ ንኸነገልግሎ ዘየገድደና ምዃኑ ዜሐጕስ እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኽና ኻብ ልብና ኸነገልግሎ እዩ ዚደልየና። ከምዚ ኽንገብር ከለና፡ ናቱ ኣገዛዝኣ ኸም እንደሊ ነርኢ፡ ከመይሲ፡ እቲ ንሱ ዚገዝኣሉ መገዲ ቕኑዕን ፍቕራውን ምዃኑ ንኣምን ኢና። እዚ ድማ ካብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣትሒዙ ተራእዩ እዩ።
ንኣዳምን ንሄዋንን ንኺእዘዝዎ ኣብ ክንዲ ዜገድዶም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫ ኺገብሩ ኣጋጣሚ ሃቦም። ንየሆዋ ብሓቂ እንተ ዜፍቅርዎን ነቲ ዚገብረሎም ነገራት ኣኽቢሮም እንተ ዚርእይዎን ነይሮም፡ ነቲ ሰይጣን ንኺዓልዉ ዝገበሮ ጻዕሪ ምተጻረርዎ ነይሮም።
ሙሴ ኣብቲ ንህዝቢ እስራኤል እተዛረቦ ናይ ስንብታ ቓላት፡ “ርኤ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ አሎኹ” በለ። (ዘዳ. 30:15) እቶም ህዝቢ ብኸመይ ኪነብሩ ኸም ዚደልዩ፡ ናይ ምውሳን ናጽነት ነበሮም። ብተመሳሳሊ፡ ኢያሱ ንእስራኤላውያን፡ “ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ . . . ሎሚ ሕረዩ” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ‘ንየሆዋ ኽንሓድጎስ ካባና ይርሓቕ’ ኢሎም መለሱ። (እያ. 24:15, 16) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ኸምኡ እዩ ዚስምዓና። ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ‘ንዕኡ ኽንሓድጎስ ካባና ይርሓቕ።’
ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት እንታይ ከም ዜጠቓልል ብንጹር ንርድኦ ኢና። ሽማግለታት ኪመኽሩን ኪግስጹን ስልጣን እኳ እንተ ኣለዎም፡ ንህይወት ወይ ንእምነት ካልኦት ኪዕብልሉ ወይ ኪቈጻጸሩ ኣይደልዩን እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብእምነት ቌምኩም ኣለኹም እሞ፡ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንዓዪ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም እንጕይተት ኣይኰንናን” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ቈረ. 1:24።
ሓደ ነገር ክንገብር ከለና፡ ተገዲድና ዘይኰነስ፡ ደሊና ምስ እንገብሮ፡ ዝያዳ ዜዕግብዶ ኸይኰነ! የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኽና ሰናይ ዘበለ ኽንገብር እዩ ዚዕድመና። ኣገዳስነት እዚ ሓሳብ እዚ፡ ኣብቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት ከብልዕ ኢለ እንተ ዝዕድል፡ ምእንቲ ኽምካሕ እውን ሰብነተይ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ሓንቲ እኳ ኣይምተጠቐምኩን” ኢሉ ዝጸሓፎ ቓላት ተራእዩ እዩ።—1 ቈረ. 13:3።
የሆዋ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዜገልግልዎ፡ ብምሉእ ልቦም ስለ ዜፍቅርዎ ኸም ዝዀነ ኺርኢ ኸሎስ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስን ክብርን ይስምዖ እዩ።
የሆዋ ንዅላትኩም ኣገልገልቱ፡ እንተላይ ንዅላትኩም ቈልዑን ኰተቴታትን ኣብ ክንዲ ንዓለምን ነቲ እተቕርቦ ነገራትን ንዕኡ ስለ እተፍቅርዎ፡ ንሱ እውን ብግዴኡ ኣዝዩ እዩ ዜፍቅረኩም። ንሕና እውን ኣዚና ኸም እነፍቅረኩም ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።—ሉቃ. 12:42, 43።
ኣቱም ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡውን መንእሰያት፡ ንየሆዋ ኻብ ዘሎኩም ፍቕሪ ተበጊስኩም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 1,748,697,447 ሰዓታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ኣሕሊፍኩም ኢኹም። ኣብ ምሉእ ዓለም 7,782,346 ኣስፋሕቲ፡ ብፍቕሪ ተደሪኾም ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ተኻፊሎም እዮም። ሓያሎ መንእሰያት ዚርከብዎም 268,777 ሓደስቲ ሰባት፡ ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንምርኣይ፡ ብማይ ተጠሚቖም እዮም። እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብገምጋም 5,168 ተጠሚቖም ማለት እዩ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ንልብና ዚትንክፎ!
ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ሓያሎ ጸገማት፡ ብድሆታት፡ ስደት፡ ሕማም፡ ገሊኣቶም ከኣ ብሰንኪ እርጋን ምስ ዚመጽእ ጸገማት ኪቃለሱ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ፈጺምና ‘ንኸይነድሓርሕር’ ወይ ‘ንኸይንሕለል’ ቈሪጽና ኢና። ንዅልዅም ኣዚና ነፍቅረኩም ኢና።—እብ. 10:39፣ 2 ቈረ. 4:16።
ኣሕዋትኩም፡
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር