ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥርን ለካቲትን፦ ኣስፋሕቲ ንሓንቲ ኻብዘን ዚስዕባ 32 ገጽ ዘለወን ብሮሹራት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም፦ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፡ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፡ ወይ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላሊ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር። መጋቢትን ሚያዝያን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላሊ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር።
◼ ሓላው ወረዳ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዓመት ኣገልግሎት 2013 ዜቕርቦ መደረ፡ ‘ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ዚኸውን ብስራት’ ዘርእስቱ ኪኸውን እዩ።
◼ ካብዚ ዚስዕብ ኣብ መኽዘን ዚርከብ ጽሑፋት ክትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም፦ ትግርኛ፦ መጽሓፍ ቅዱስ−ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ)፣ ኣምሓርኛ፦ “ንዓ ስዓበኒ”፣ ኦሮምኛ፦ ንየሆዋ ቕረቦ፣ ወላይትኛ፦ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት፡ ዕላማ ህይወት።