ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/12 ገጽ 8
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 7/12 ገጽ 8

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሓምለን ነሓሰን፦ ብሮሹራት። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ከምኡውን፡ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!። መስከረምን ጥቅምትን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላልዮ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር።

◼ ሲንግ ቱ ጂሆቫ—ቮካል ረንዲሽንስ ዲስክ 5 (ንየሆዋ ዘምሩሉ—ብድምጺ 5ይ ዲስክ) ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሩ ካብ jw.org ወብ ሳይት ከተራግፍዎ ኸም እትኽእሉ ነፍልጠኩም። መጀመርታ ብእንግሊዝኛ፡ ገለ ግዜያት ጸኒሑ ድማ ብኻልእ ቋንቋታት ኪወጽእ እዩ። ብሲዲ እንተ ደሊኹም፡ ብጉባኤኹም ኣቢልኩም ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም። ካብ ወብ ሳይት ንኸተራግፎ ዚወጽእ ዋጋ ኻብቲ ብዲስክ ንኸተዳልዎን ንኽትልእኮን ዚወጽእ ወጻኢታት ኣዝዩ ዝተሓተ ብምዃኑ፡ ነቶም ካብ ወብ ሳይት ኬራግፉ ዚኽእሉ፡ እናኣራገፉ ኺጥቀሙ ነተባብዖም። ዲስክ 1-4 ኣቐዲሙ ወጺኡ ነይሩ እዩ።

◼ ኣብ መኽዘን ዘሎ ሓድሽ፦ ሲዳምኛ፦ ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲን ኤንድ ራይቲን፣ እንግሊዝኛ፦ መጽሓፍ ዓመት 2012 ብሲዲ።

◼ ካብ 2013 ንነጀው፡ ዓውደ ኣዋርሕ ብኣምሓርኛ እውን ኪህሉ እዩ። ካብ 1 ሓምለ 2012 ጀሚርኩም ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም።

◼ ዓመታዊ ጽሑፋት ንኺመጻልኩም እተቕርብዎ ጠለብ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንተ ደንጐየ ብ1 ሓምለ 2012 ኪበጽሕ ኣለዎ። እቲ ዓመታዊ ጽሑፋት ከኣ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦ ዓውደ ኣዋርሕ 2013፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2013፡ ጥሙር ጥራዛት 2012፡ መጽሓፍ ዓመት 2013፡ ዎችታወር ላይብረሪ 2012፡ ዓመታዊ ኢንደክስ (መሐበሪ)። እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ብእንግሊዝኛ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሩስያኛ፡ ብስዋሂሊ (ብጀካ ጥሙር ጥራዛት)፡ ብስጳንኛ፡ ብጀርመንኛ፡ ብጣልያንኛ፡ ብፈረንሳይኛ፡ ብፖርቱጋልኛ፡ ከምኡውን ብኻልእ ቋንቋታት ይርከብ። ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2013 በዚ ዚስዕብ ቋንቋታት እውን ይርከብ እዩ፦ ትግርኛ፡ ቻይንኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ኦሮምኛ፡ ከምኡውን ኪንያሩዋንዳ። ብእንግሊዝኛ ብፍሩይ ሕታማት እውን ይርከብ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ