ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሰነ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ጽዓር። ሓምለን ነሓሰን፦ ብሮሹራት። ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፡ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፡ ንቑሕ ኩን!፡ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፡ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፡ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፡ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፡ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፡ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፡ መናፍስቲ ምዉታት—ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧፡ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላልዮ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር። መስከረም፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላልዮ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር።
◼ ኣብ ዚመጽእ ኣኼባ ኣገልግሎት እታ ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ (ዓለምለኻዊ ሕውነትና) ዘርእስታ ቪድዮ፡ ንምይይጥ ክትቀርብ እያ። ኣድላዪ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ቅዳሓት እዛ ቪድዮ ብጉባኤ ኣቢልካ ኺሕተት ይከኣል እዩ።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ፦ ሲዳምኛ፦ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧ ኣምሓርኛ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ እንታይ ይኣምኑ፧ (32 ገጽ ብሮሹር)።
◼ እትደልይዎ ዓመታዊ ዚወጽእ ጽሑፋት ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንተ ደንጐየ፡ 1 ሓምለ 2012 ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኺለኣኽ ኣለዎ። እዚ ዓመታዊ ጽሑፋት እዚ፡ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦ ዓውደ ኣዋርሕ 2013፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2013፡ ጥሙር ጥራዛት 2012፡ መጽሓፍ ዓመት 2013፡ ዎችታወር ላይብረሪ 2012፡ ዓመታዊ ኢንዴክስ።